ትምህርቲ፡ 'ዝመሃርካዮም ኣብ ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ከም ምርኣይ ዘሐጉስ የሎን'

ምንጪ ስእሊ, D.K
ዓለምና ብትምህርትን ፍልጠትን እያ ተቐይራ። ሕጂን ንመጻእን እውን ብቐጻሊ ምርምርን ሳይንሳዊ ምህዞን እያ ክትምዕብል። እተን ኣቐዲመን ዝማዕበላን ዝተቐየራን ሃገራት እተን ኣቐዲመን ህዝበን ዘምሃራን ፍልጠት ዘዕጠቓን እየን።
እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ብሃይማኖታዊ ትካላት ዝጀመረ ፊደል ምቑጻር፡ ዳሕራይ ምስ ምምጻእ ባዕዳውያን፡ ኣብ ጥልያን ክሳብ ራብዓይ፡ ኣብ ኢንግሊዝ ክሳብ ሻምናይ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዓብዩ፡ ብኡ መጠን ከኣ መንቋሕቋሕታ ትምህርቲ ሰፊሑን ገፊሑን።
ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ትምህርቲ ንማሕበረ ቁጠባዊ ህይወት ሓደ ህዝቢ ንቕድሚት ዝደፍእን ንዜጋታት ካብ ድኽነት ዘናግፍን ዕጥቂ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ሕብረተሰብና እውን፡ ትምህርቲ ካብ መንብሮ ሕርሻን ጉስነትን ዝገላግል፡ ካብ መቝሕ ድኽነት ዘናግፍ ፍቱን መድሃኒት ስለዝተወስደ ዓቕምን ክእለትን ዝረኸበ ሕብረተሰብ ዝርካበን ጥሪቱን ትሕዞኡን እናሸጠ ደቁ ከምህር ይፍትን ነይሩ።
እቶም ኣብቲ እዋን፡ ካብ ገጠራት ብእግሮም እናተጓዕዙ፡ ፍልጠት ቀሲሞም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑን ኣብ ዓለማዊ ትካላት ልዑል ቦታ ዝሓዙን ውሑዳት ብኣብነት ዝጥቀሱ ምሁራት ከኣ ፍርያት እቶም ሽዑኡ ተጊሆም ዝመሃሩዎም መምህራን ምዃኖም ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ የረድእ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ቤትትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ: ጸጋይ ገብረሂወት እውን ነቲ ትማሊ ዝተኽብረ ዓለማዊ መዓልቲ መማህራን ምርኩስ ብምግባር፡ "ምምህርና ብቐጻሊ ክትመሃር ዘገድድ፡ ዝመሃርካዮም መንእሰያት ብፍልጠትን ክእለትን ክቕየሩን ናብ ቅኑዕ መገዲ ከምርሑን እትርእየሉ ሞያ ብምዃኑ ኣዝየ ሕጉስ እየ" ክብል ንምምህርና ልዕሊ ስራሕን መነባበርን ኣብቲ ዝነብረሉ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ይገብር ብምህላው ከምዘሐብኖ ይገልጽ።
ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ፡ ዓንዲ ሕቖ ሕብረተሰብ ዓለም ንዝኾነ ሞያ ምምህርና ክብርን ኣፍልጦን ንምሃብ ንሓሙሽተ ጥቅምቲ ከም ኣህጉራዊት መዓልቲ መማህራን ክትክበር ወሲኑ።
መምህር ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብን ምዕባለን መሰረታዊ ተራ ስለዘለዎ፡ ጽሬትን ብቕዓትን ትምህርቲ መታን ክረጋገጽ ኣባል ሃገራት ካብ ምስልጣን መምህራን ኣትሒዘን መሰላቶም ከረጋግጻን ብኹሉ ዝከኣል ክድግፈኦምን የተሓሳስብ።
ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታትን ትካል ትምህርቲ ባህልን ሳይንስን ሕቡራት ሃገራት: ጽሬትን ብቕዓትን ስርዓተ ትምህርቲ ካብ ኣቀራርጻኡን ኣወሃህባኡን ኣትሒዙ፡ ምዕባለኡን ውጺኢቱን ብቐጻሊ ምክትታል ከምዘድልዮ የነጽር።
ምምህርና ስራሕ እንጀራ ዘይኮነ ፍቕሪ እዩ። ዝብል መምህር ጸጋይ ክዓቢ እንከሎ ምስ ብዙሓት መዛንኡ ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም ካብ ገጠር ዝመጽኡ መዛንኡ ይመሃር ብምንባሩ፡ በታ ንሱ ዝረኽባ: ዝርካባ ኣብ ከተማ ኮይኑ ዝተማህራ ዕድል ተሰሚዑዎ ነብሱ ንምምዕባል ብቐጻሊ ይጽዕር ምንባሩ ይዛረብ።
ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ንካልኣይ ዲግርን ዶክተሬይትን ዝመሃረን ዝምህርን ዘሎ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ " ዋላ'ኳ ካብ ምምህርና ወጻኢ እንተዘይሰራሕኩ ካብኡ ዝጥዕም ስራሕ ዘሎ ኣይመስለንን" ክብል ነቲ ሞያ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን "ዝመሃርካዮም ኣብ ዝሓሸ ስራሕን ናብራን ከም ምርኣይ ዘሐጉስ የሎን!" ይብል።
መምህር ጸጋይ ገብረሂወት እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። " ምምህርና ዕግበት እዩ፡ ብእኡ ከኣ እዩ ዝፍቶ ክኽበር ከኣ ዝግበኦ" ይብል።
ትካል ሕቡራት ሃገራት ንሓሙሽተ ጥቅምቲ ከም ዓለማዊ መዓልቲ መምህራን ካብ ዝሰምያ ንደሓር ካብ 1994 ኣትሒዙ ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ክትበዓል ጸኒሓ ኣላ። ለብዘብን እውን ዋላኳ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ ዳርጋ ኩሉ ህዝባዊ፡ ሃገራውን ኣህጉራውን በዓላት ብማንዛ ርክባት ብርሕቀት ዝግበር እንተኾነ ንኣገዳስነት እቲ ዕለትን ዛዕባን ግን ኣይድርቶን እዩ።
መምህር ንቖልዑን መንእሰያትን ፍልጠት ዘቕስም፡ ዓንዲ ሕብረተሰብን ኣብቲ ንዓለምና ዝቕይር ፍልጠትን ክእለትን ንምስራጽ ዓቢ ድርኺት ዝፈጥር ኣገልጋሊ ህዝቢ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ትካል ሕቡራት ሃገራት ሞያን ኣበርክቶን መማህራን ክብሪ ንክወሃቦ ሕብረተሰብን ኣባል ሃገራትን ንመማህራን ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝግበኦም ተራን ክብርን ንኽረኽቡ ዓለማዊ መዓልቲ መምህራን ዝመደበ።
ናይ ለብዘበን ቴማ ከኣ "መማህራን ንመጻኢ እናማዕደው ኣብ ቅልውላው ክመርሑ ይግባእ" ብዝብል ቴማ ድምጺ ሞያ ምምህርናን መሻርኽትን ከምዝስማዕ ተፈቲኑ። ማንም ሰብ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክሕረም የብሉን ዝብል መንፈስ መማህራን ክኽበር ኣለዎ። እቲ ዕላማ ንሱ እዩ። ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን ዝብል ምስላ ኣበዋት ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። "ሸውዓተ ዓመት ከይመሃሩስ ሰብዓ ዓመት ይድንቁሩ'ኳ" ዝበሃል ክብል ንኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብ ሕብረተሰብን ዓለምን ይገልጽ መምህር ጸጋይ ካብ ለንደን።

ምንጪ ስእሊ, UNICEF
ዓለማዊ ኣጀንዳ ትምህርቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2030 ኣባል አባል ሃገራት ጽሬቱ ዝሓለወ ፍልጠትን ክእለትን ዘስንቕ ትምህርቲ ንክህሉ እዩ። ኩሎም ተማሃሮ ጽሬቱ ዝሓለወ ንሕጅን መጻእን ከስርሖም ዝኽእል ፍልጠትን ክእለትን ክሰንቁን ክዓጥቁን ዝምልከተን ኣባል ሃገራት ንመማህራነን ኮነ ንተማሃረኦን ዘድልዮም ዘበለ ደገፋት ክገብራሎም ሕቡራት ሃገራት ይጽውዕ።
"መምህር፡ ስነ ምግባራዊ፡ ስነ ፍልጠታዊ፡ ሕርሻን ምርባሕ ከብትን፡ ጽሬትን ሓለዋ ጥዕናን ብዘበናዊ ኣገባብ ፍልጠት ዘስንቕ ኣገልጋሊ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ክኽበር ይግባእ" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።
ትካል ሕቡራት ሃገራት ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብር፡ ክእለትን ጥበብን ኣነባብራ ከጥሪ፡ ኣኽብሮ ሰብአዊ መሰላት ከረጋግጽ፡ ዓመጽን ኣድልዎን ዘይብሉ ጾታዊ ማዕርነት ክሃንጽ፡ ባህሊ ሰላምን ርግኣትን ክፈጥር ክሕገዝን ክተባባዕን ኣለዎ እዩ ዝብል።
ዩኔስኮ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዳካር ምስ ቲንክ ታንክ (ብሓሳብ ንትካላት ዘማኽሩ) ብሩኪንግ ኣመሪካ፡ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ጫድ፡ ኮቶዴቩዋር፡ ዴሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ጋምቢያ፡ ኬንያ፡ ሌሰቶ፡ ማሊ፡ ሴነጋልን ዛምቢያን፡ ኣብቲ ትምህርቲ ንቕድሚት ዝደፍእ ረቛሒታት፡ ኣብ ካሪክለም፡ ስልጠና ምምህርና፡ ስርዓተ ትምህርቲ ዓሚቕ ገምጋምን ብምክያድ ዝገበሮ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ንኣፍልጦን መረዳእታን ሓቲሙ ኣቕሪቡ።
እቲ መጽናዕቲ'ዚ፡ ህሉው ኩነታት ትምህርቲ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ብኸመይ ምስዚ ዓለማዊ ጠለብ ትምህርቲ ይቃዶን ንዕዳጋ ዓለም ዝበቅዕ ብጽሩይ ትምህርቲ ዝተመልመለ ምሁር ዓቕሚ የፍርን ዝግምግም እዩ። እቲ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ሳሕለ ሰሃራ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ንኤርትራን ጎደቦታታን እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ ይብሉ እቶም ኣብዚ ዛዕባ ርእይተኦም ዝሃቡ ምሁራት።
ርግጽ እዩ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም መምህር ማዕረ ሞይኡን ክብሩን ኣይክፈልን እየ። ግን ዳርጋ ኩሉ መምህር ጻዕሩን ድኻሙን በቶም ሞይኡን ኣበርክቶኡን ዝነግርሉ ተማሃሮኡ እዩ ዝድበስ። ዓስቡን ሞስኡን እቶም ንሱ ብዘቕሰሞም ፍልጠትን ብዘርኣዮም መገድን ህይወቶም ቀይሮም ኣብ ጽቡቕ መነባብሮ ዝበጽሑን ንሃገርን ህዝብን ዘገልግሉ ተማሃሮኡ እዩ ዝኽፈል። ጸጋይን ጋይምን እውን ከምኡ እዮም ዝኣምኑ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







