ኣብ ኢትዮጵያ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት እንታይ ቅድመ ምድላው ተገይሩ'ሎ?

ተምሃሮ ልደታ ማርያም ዓሊቴና

ኢትዮጵያ ለብዒ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዓሊማ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ እትዓጽው ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2013 ክኽፈታ ተወሲኑ'ሎ።

ሚንስትሪ ትምህርትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ እቲ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ንጥዕና ማሕበረሰብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ ኩነታት ንክቕጽል ዝተፈላለዩ ቅድመ ምድላዋት እናገበሩ እዮም።

ካብ ሞንጎ እቶም ስራሕቲ ድማ ናውቲ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክበጽሕ ምግባር ከምዝኾነ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚንስትሪ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ወይዘሮ ሃረግ ማሞ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ መዕቀኒ ረስኒ ከምኡ'ውን መጽረዪ ኢድ ዝረኽባሉ ኩነታት እናተመቻቸወ እዩ።

ተምሃሮ፣ መምህራንን ኩሎም ማሕበረሰብ ኣብያተ ትምህርትን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብሰብሞያ ጥዕና ንዝተሓበሩ መምርሕታት ግብራዊ ክገብሩ ከምዝግደዱ'ውን ተዛሪባ።

ሃገራዊ ፈተናታት

ብሰንኪ እቲ ዓለማዊ ለበዳ ካብ ዝተኣጓጎሉ ጉዳያት ትምህርቲ እቲ ሓደ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 8ይን 12ን ክፍሊ እዩ። እቶም ተምሃሮ ክወስድዎ ዘይከኣሉ ፈተና መዓዝን ብኸመይን ዝበለ ኩነታት ፍጸም'ዩ? ንዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መልሲ ተዋሂቡ'ሎ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍለጦ ናይ 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና 22ን 23ን ሕዳር 2013 ዝወሃብ ኮይኑ፤ ነቲ ፈተና ዝወስዱ ድማ 7ይ ክፍሊ ተማሂሮም ዝወድኡን ኣብ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ሰሚስተር ዝተምሃሩን ጥራይ እዮም።

ብተመሳሳሊ፡ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክወስዱ ዝኽእሉ ተምሃሮ 11 ክፍሊ ዝዛዘሙን ኣብ 12 ቀዳማይ ሰሚስተር ዝተምሃሩን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ'ዩ።

ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ መምሃሪ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, DEA / C. SAPPA

እቲ ፈተና ድማ ካብ 28 ሕዳር ክሳን 1 ታሕሳስ 2013 ኣ.ኢ ከምዝወሃብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት። እቲ ፈተና ብኦንላይን'ዩ ክወሃብ።

ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ዝርግሐ ኢንተርኔትን ምቁርራጽ ኣገልግሎትን ብዝተሓሓዝ ንዘለዉ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ ከምዝተመረጻ ወይዘሮ ሃረግ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ብፍላይ ምስ ምቁርራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብዝተሓሓዝ እኹል ናይ ቅድመ ምድላው ስራሕቲ ይሳለጥ ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ማዕረ ምዘና ተምሃሮ?

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ዝበዝሑ ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ኣብ ዝተገደዱሉ ኩነታት ኣብ ገለ ናይ ውልቀ (ብሕቲ) ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ግን ብኦንላይን ይኹን ካልእ ኣማራጽታት ሓገዝ ትምህርቲ እናረኸቡ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ'ውን ብሬድዮ፣ ተሌቪዥንን ማሕበራዊ መራኸቢ ቴሌግራምን ብምጥቃም ትምህርቲ ንምሃብ ከምዝፈተነ ይግለጽ።

ኣብታ ምሉእ ሃገር ዝርከቡ ተምሃሮ ግን ነዚ ዕድል ኣይረኸቡን። እዚ ክኸውን ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ደኣ ብኸመይ ማዕረ ብፈተና ክምዘኑ ይኽእሉ? ዝብል ሕቶ ይለዓል።

ቢቢዚ ነዚ ሕቶ ዘቕረባላ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮኒዩኒኬሽን ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሃረግ፡ ፈተና ዝተዳለወሉ ኩነታት ነዚ ኣብ ግምት ከምዘእተወ ሓቢራ።

"ብፍላይ ኣብ ከባብታት ገጠር ንዝርከቡ ተምሃሮ ዘማእኸለ ንክኸውን ጌርና ኢና" ትብል።

እቶም ተምሃሮ ንኽዳለዉ 45 መዓልታት ዝወሃቦም ኮይኑ እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕ ስነልቦንኦም ምስ ትምህርቲ ክራኸብ ምግባር ከምዝኸውን ኣረዲኣ። ምስዚ ጎኒንጎኒ ድማ ዘይተሸፈኑ ክፍልታት ትምህርቲ፣ ብኽለሳን መከሓሓሲ ትምህርትን ክማልኡ ከምዝግብር ሓቢራ።

ምኽፋት ኣብያተ ትምህርቲ

ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰሙናት ንክኸፈታ እዩ ተወሲኑ ዘሎ። ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ ዙር ከምዝኽፈታ'ውን ተፈሊጡ'ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመጽኡ ተምሃሮ ቁጽሮም ንምንካይ ምድላው ከምዝወገነ ሚንስትሪ ትምህርቲ ገሊጹ'ሎ። ነዚ ድማ ዝተፈላለዩ ኣማራጽታት ዝጥቀም ኮይኑ ናብ ሰለስተ ፈረቓ ምምቃል እቲ ሓደ ኣማራጺ ከምዝኸውን ተሓቢሩ'ሎ።

በዚ ምኽንያት ከጋጥም ንዝኽእል ሕጸረት መምህራን ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ኣብ በቢ ከባቢኡ ዝርከቡ ወለንተኛታትን ብጡረታ ዝተሰናበቱ መምህራንን ናብ ኣገልግሎት ክኣትዉ ክግበር'ዩ።

ብዘይካ'ዚ እዋን ምረቕኦም ዝኣኸለ ሓደሽቲ ምምህራን ብቕልጡፍ ተመሪቖም ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ወይዘሮ ሃረግ ንቢቢሲ ኣረዲኣ።