ላይቤርያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ንብዙሓት ተምሃሮ ቀቲሉ

ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ኣብ ምድሓን ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንቀሊ ናይቲ ባርዕ ምጽራይ ይካየድ ኣሎ

ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ላይቤርያ ዝኾነት ሞኖሮቪያ፡ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ዝበዝሑ ተምሃሮ ዝርከብዎም ብውሕዱ 27 ሰባት ቀቲሉ።

እቲ ባርዕ፡ ቁርኣን ዝመሃሩ ተመሃሮ፡ ኣብ ጥቓ መስጊድ ደቂሶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣጋ ወጋሕታ ከምዝተኸሰተ ተገሊጹ።

ፖሊስ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝተባርዐ ህንጻ ዝካየድ ኣለሻ ኣስከሬን ቀጺሉ'ሎ።

ፐረዚደንት'ታ ሃገር ጆርጅ ዊሃ ናብቲ ሓደጋ ዝተኸሰተሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ብምግባር ሓዘኑ ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

እቲ ባርዕ ብሰንኪ ኤለክትሪካዊ ጸገማት ከም ዝተልዓለን ምጽራይ ቀጺሉ ከም ዘሎን ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ሞሰስ ካርተ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ሰበስልጣን ንኤኤፍፒ ከም ዝሓበርዎ እንተኾይኑ፡ በቲ ባርዕ ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ዕድሚኦም 10 ዓመትን ልዕሊኡን እዮም።

ኣብ ጥቓ'ቲ ባርዕ ዝተኸሰተሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኻቡ ሰባት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቓ'ቲ ባርዕ ዝተኸሰተሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተኣኻኻቡ ሰባት

ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ንኣስከሬን ግዳያት ካብ ውሽጢ'ቲ ዝተባርዐ ህንጻ የውጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ብሰንባደ ተዋሒጦም ነቲ ኩነታት ይዕዘቡ ነይሮም።

Presentational grey line