ላይቤርያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ንብዙሓት ተምሃሮ ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ላይቤርያ ዝኾነት ሞኖሮቪያ፡ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ዝበዝሑ ተምሃሮ ዝርከብዎም ብውሕዱ 27 ሰባት ቀቲሉ።
እቲ ባርዕ፡ ቁርኣን ዝመሃሩ ተመሃሮ፡ ኣብ ጥቓ መስጊድ ደቂሶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣጋ ወጋሕታ ከምዝተኸሰተ ተገሊጹ።
ፖሊስ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ዝተባርዐ ህንጻ ዝካየድ ኣለሻ ኣስከሬን ቀጺሉ'ሎ።
ፐረዚደንት'ታ ሃገር ጆርጅ ዊሃ ናብቲ ሓደጋ ዝተኸሰተሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ምብጻሕ ብምግባር ሓዘኑ ገሊጹ።

እቲ ባርዕ ብሰንኪ ኤለክትሪካዊ ጸገማት ከም ዝተልዓለን ምጽራይ ቀጺሉ ከም ዘሎን ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ሞሰስ ካርተ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ሰበስልጣን ንኤኤፍፒ ከም ዝሓበርዎ እንተኾይኑ፡ በቲ ባርዕ ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ዕድሚኦም 10 ዓመትን ልዕሊኡን እዮም።

ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ንኣስከሬን ግዳያት ካብ ውሽጢ'ቲ ዝተባርዐ ህንጻ የውጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ብሰንባደ ተዋሒጦም ነቲ ኩነታት ይዕዘቡ ነይሮም።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







