ኣይስላንዳዊት ደሴት ሓደ ተመሃራይ ዝተረፈላ ቤት ትምህርቲ ክትዓጹ እያ

ህንጻታት ኣብ ደሴት ግሪምሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደሴት ግሪምሰይ 61 ነበርቲ ኣለውዋ

ኣብ ኣይስላንድ እትርከብ ግሪምሰይ እተበሃለት ንኢሽተይ ደሴት ሓደ ተመሃራይ ጥራይ ሒዛ ንዝተረፈት ቤት ትምህርቲ ክትዓጽው እያ።

ብ2001 ናይታ ቤት ትምህርቲ ቁጽሪ ተመሃሮ 14 ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ትምህርቲ ግን ናብ ሰለስተ ተመሃሮ ወሪዱ ነይሩ።

ሓደ ስድራ ካብታ ደሴት ብምውጻእ ናብ ካልእ ቦታ ክኸይድ ብምውሳኑ፡ ሓደ ተመሃራይ ጥራይ ከክተርፍ ከም ዝኸኣለ መረዳእታታት ይሕብሩ።

እቲ ንበይኑ ዝተረፈ ተመሃራይ ኣብ ዝመጽእ መንፈቕ 9ይ ክፍሊ ክመሃር ድልየት'ኳ እንተነበሮ፡ እታ ቤት ትምህርቲ ግን ክትቕበሎ ኣይከኣለትን።

"እዛ ቤት ትምህርቲ ነቲ ማሕበረሰብ ንኹሉ ንጥፈታት ስፖርት ተገልግል ነይራ። መእከቢ ኣዳራሽ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ኣጸደ ህጻናት፣ ቤት ጽሐፈት ዶካትርን ቤተ ንባብን እውን ትኸውን" ትብል ናይታ ቤት ትምህርቲ ርእሰ መምህር ካረን ኖት።

እታ ቤት ትምህርቲ ተዓጽያ ከም ዘይትተርፍ ዘለዋ እምነት 'ቪኩዳጉር' ንዝተበሃለት ጋዜጣ ገሊጻ።

"ነቲ መስርሕ ምምሃር ንምጅማር ዘኽእሉ ኩሎም ናውቲ ትምህርቲ ኣለዉ እዮም። ኩላህና ነበርቲ ደሴት ግሪምሰይ እዛ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከም እትኽፈት ተስፋ ንገብር" ኢላ።

ናይታ ደሴት ነበርቲ ኣብ ምህርቲ ዓሳ ዝተመስረተ መነባብሮ ዝመርሑ ኮይኖም፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ግን ኣብ ምግፋፋ ዓሳ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኩባንያታት ብምውጽኦም ስራሕ ከም ዝዘሓለ ይዝረብ።

ብተደጋጋሚ ንምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝተቃልዐት ደሴት ግሪምሰይ ዝነብሩ ማሕበረሰብ፡ ኩል ግዜ ኣብ ስግኣት ከም ዝነብሩ ይዛረቡ።

ንባሕሪ ኣርክቲክ ዘመልክት 'ቦርድ' ኣብ ደሴት ግሪምሰይ

ምንጪ ስእሊ, Visit Grimsey/Facebook

መግለጺ ስእሊ, ደሴት ግሪምሰይ ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ እተእንግድ ደሴት'ያ

ብ2016 በዓል ልደት ኣብ ዝኽበረሉ እዋን ዝገዝእዎ መግቢ ከይረኸቡ ከሕልፍዎ ተገዲዶም ነይሮም። ናይዚ ምኽንያት ድማ ነፈርትን መራኽብን ናብታ ደሴት ንምእተው ተጸጊመን ብምንባረን እዩ።

ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ እውን ኣጸጋሚ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ። ነበርቲ እታ ደሴት ድምጺ ዝህቡሉ ወረቐት ንምብጻሕ ጸገም ኣጋጢሙ ምንባሩ ይግለጽ።

ነቲ ዘድምጹሉ ወረቐት ሓንቲ ጀልባ ናብ ባሕሪ ኣርክቲክ ክተብጽሖን ናይታ ደሴት ገፈፍቲ ዓሳ መጺኦም ክወስድዎን'ዩ ተገይሩ።

ድምጺ ምስተወሃበ ከኣ ኣጸጋሚ ኩነታት ከይመጽአ ከሎ፡ እቲ ድምጺ ዝሃቡሉ ወረቓቕቲ ብነፋሪት ተወሲዱ።