ኬንያ፡ 'ኣብያተ መስተ ይከፈታ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ተዓጽየን ይጽንሓ'

ኣልኮላዊ መስተ ስርዓት ምክልኻል ሕማማት ከም ዘልምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኣብያተ መስተ ኬንያ ክኽፈቱ ተወሲኑ።

ፕሬዝደንት ኡህሩ ኬኒያታ መንግስቲ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልካል ብዛዕባ ዝወስዶም ስጉምታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ተኣዊጂ ዝጸንሐ ኣዋጅ እቶ እቶ ንዝቕጽሉ 60 መዓልታት ከም ዝተናውሐ ሓቢሩ።

እዚ ካብ ሰዓት 11፡00 ናይ ምሸት (ሰዓት 5፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 4፡00 (ማለት'ውን ሰዓት 10፡00 ናይ ወጋሕታ) ክጸንሕ ብምግባር ከም ዝተመሓየሸ'ውን ገሊጹ።

እዚ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ከም ዘይኽፈታ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ መምሃራን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ሓቲቱ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ፕሬዝደንት ግን ድሕነት ተመሃሮ ምርግጋጽ ምስ ተኽኣለ እየን ዝኽፈታ ኢሉ።

ኣብ ኬንያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 38 ሽሕ ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ሎሚ መዓልቲ ትሸዓተ ሰባት ብምኽንያት እቲ ሕማም ሞይቶም።

ዛጊት፡ በቲ ቫይረስ ልዕሊ 700 ሞይቶም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ አንእከሎ፡ ካብ ቀረባ ሰሙናት ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ምንካይ የርኢ ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተገብረ መርመራ 53 ሰባት ጥራሕ እዮም እቲ ቫይረስ ተረኺቡዎም። ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ኣብታ ሃገር ዘሎ መርመራ ትሑት ከም ዝኾነ ይገልጹ።

ኮሮና