ዙምባብዌ፡ ደቆም ካብ ትምህርቲ ደው ንዘበሉ ወለዲ ክትኣስር እያ

ተመሃሮ ዙምባብወ ብ1984

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንግስቲ ዙምባብወ፡ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይልእኹን ትምህርቲ ዘቋርጹን ወለዲ ክሳብ ክልተ ዓመት ብዝበጽሕ ማእሰርቲ ከም እትቐጽዖም ኣፍሊጡ።

መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ትምህርቶም ዘቋርጹ ተመሃሮ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ዝኾነ ሰብ ክሳብ 16 ዓመት ዝመልእ ትምህርቲ ግዴታ ክኸውን ገይሩ'ሎ።

ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር 20 ሚእታዊት ዝኾኑ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከዱን እዮም።

ብመሰረት ዘውጽኣ ሓዲሽ ሕጊ፡ ተመሃሮ ኽፍሊት ትምህርቲ ብዘይምኽፋሎም ወይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ነፍሰ ጾር ኮይነን ኢልካ ምስጓጉ፡ ከም ገበን ክቑጸር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 60 ሚእታዊት ናይ መባእታ ተመሃሮ፡ ናይ ቤት-ትምህርቲ ክፍሊት ኣየምጻእኩም ብምባል ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጎም'ዮም።

ዝሓለፈ ዓመት ካብዛ ዓለም ዝተፈለየ ፕረዚደንት ዙምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፡ እታ ሃገር ናጽነታ ምስ ረኸበት ብዝዘርግሖ ስርዓት ትምህርቲ ናእዳ ረኺቡ ነይሩ።

ሮበርት ሙጋበ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ብምኽፋት ግብራዊ ዝገበሮ ስርዓት ትምህርቲ ንጸለምቲ ዜጋታት እታ ሃገር ዓብዪ ዕድል ፈጢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

በዚ ድማ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ሽፋን ትምህርቲ ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ነይራ።

ይኹን'ምበር፡ ናጻ ትምህርቲ ብ1990ታት ጠጠው ከብል ስለ ዝተገብረ፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘለው ዓመታት እቲ ዝሃነጸቶ ስርዓት ትምህርቲ ክፈርስ ጀሚሩ።

መንግስቲ ወለዲ ትምህርቶም ዘቋርጹ ተመሃሮ ክቕጽዕ ዝተገደደሉ ምኽንያት፡ በዚ መገዲ ዝወደቐ ስርዓት ትምህርቲ እታ ሃገር ንምድሓን'ዩ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ ድማ፡ ወለዲ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርተን 260 ዶላር ገንዘብ ክቕጽዑ'ዮም።

መንግስቲ ዝኣተዎ መብጽኣ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ከፈጽም ብዘይምኽኣሉ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ምውጽኡ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም ዝነቕፉዎ ሰባት ኣለው።

ጥንሲ፣ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፣ ርሕቐት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ድልየት ትምህርቲ ዘይምህላው፡ ምኽንያት ምቁራጽ ትምህርቲ እዮም ተባሂሎም ይጥቀሱ።