ኤርትራ፡ ተምሃሮ 11 ክፍሊ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ሳዋ ይወርዱ ኣለዉ

ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, Paulos Netabay/twitter

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ 11 ክፍሊ ዝወድኡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ንሳዋ ክወርዱ ጀሚሮም።

እዞም መበል 34 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ንምዝዛምን ጎኒ ጎኑ ድማ ወተሃደራዊ ታዓሊም ንምውሳድን ንሳዋ ተበጊሶም።

ሎሚ ዓመት ግን ምስ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት 'ተማሃሮ ናብ ሳዋ ከይብገሱ' ዝጽውዕ ጎስጓሳት ክካየድ ጸኒሑ እዩ።

እቲ #EndHighSchoolInSawa ማለት "ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሳዋ የብቅዕ" ዝብል ጎስጓስ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይከኣሎ ንተማሃሮ ናብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘቃልዕ እዩ ብምባል እዩ እቲ ጎስጓስ ክካየድ ጸኒሑ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን እቲ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት 'ጊልያነት'ዩ' ክብሉ ይነቕፉ። ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ንስደት ከምዝኾነ ይግለጽ።

ኣብ ኣስመራ ተማሃሮ ትማሊ ምሽት ኣብ በቤት ትምህርቶም ተረኺቦም ቦርስኦም ናብተን ዝተመደባሎም ኣውቶቡሳት ጽዒኖም ብምሕዳር፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብ ሳዋ ኣምሪሖም ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ ካብ ዓመተ 2003 ጀሚሩ፡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛም፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምክትታልን ናይ 2ይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ንምውሳድን ካብ መላእ ሃገር ናብ ሳዋ ክኸዱ ይግደዱ።

ጎኒ እቲ ናይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ፡ ንከባቢ ሽዱሽተ ወርሒ ዝሽፍን ክልሰ ሓሳባውን ግብራውን ወተሃደራዊ ስልጠና ይወሃቦም።

ኣብቲ ዝወሃቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና፡ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተማሃሮ ትምህርቶም ንምክትታል ናብ ኮሌጃትን ማእከል ሞያዊ ስልጠና ሳዋን ክምደቡ ከለው፤ እቶም ዘይሓለፉ ግና ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት፡ ህዝባዊ ትካላትን ትካላት መንግስትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም ይምደቡ።

ኣብ ኤርትራ ሓፈሻዊ ትምህርቲ - ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ 27 መጋቢት እዩ ከም ዝቋረጽ ተገይሩ።

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብ28 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ ግና ንኩነታት ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ኤርትራ "ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል" ኩነታት ከም ዘይበጽሐ ብምግላጽ ተማሃሮ 11 ክፍልን ኮሌጃትን ትምህርቶም ክቕጽሉ እዩ ወሲኑ።

በዚ ድማ ተማሃሮ 11 ክፍሊ 6 ሓምለ ተማሃሮ ኮሌጃት ድማ ካብ 13 ሓምለ ጀሚሮም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱን ነቲ ዓመተ ትምህርቲ ክዛዝምዎን ተሓቢሮም ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም።

ገለ ንጡፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ግና፡ መንግስቲ ንተማሃሮ 11 ክፍሊ ትምህርቲ ክቕጽሉ ምፍቃዱ፡ ንቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይካኣሎ ናብ ሳዋ ክወስዶም ስለዝደለየ እዩ ብዝብል ክነቕፉ ጸኒሖም።

ኣብ ኤርትራ ዛጊት 330 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብኦም እቶመ 295 ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ካብ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝተወሃበ ሓበሬታ የረድእ።

ኮሮና