ኮሮናቫይረስ፡ ሞሮኮ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዝንቀሳቐሱ ናብ ፍርዲ ክተቕርብ'ያ

ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ መንእሰይ - ኣብ ሞሮኮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካብ ገዝኦም ወጻኢ ዝተረኸቡ ዜጋታት ሞሮኮ ክሳብ 3 ወርሒ ማእሰርትን 126 ዶላር መቕጻዕትን ከምዝጽበዮም መንግስቲ'ታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

እቲ ሕጊ ካብ ሎሚ መዓልቲ ሰሉስ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን ኮይኑ፡ ኣብቶም ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ጥቡቕ ክትትል ክግበር'ዩ።

ነቲ ለበዳ ብኸመይ ምቁጽጻር ከምዝከኣል ኣመልኪቱ ብድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ'ዩ መንግስቲ ነዚ ውሳነ ወግዓዊ ዝገበረ።

ሞሮኮ ካብ 19 መጋቢት ኣብ ዝጀመረን ንሓደ ወርሒ ኣብ ዝጸንዕን እገዳ ምንቅስቓስ ትርከብ።

ዛጊድ 1,120 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ፤ 80 ድማ ዝሞቱ ኣለውዋ።

እታ ሃገር መጠን መዓልታዊ እተፍርዮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ናብ 6 ሚልዮን ክተብጽሕ ተሊማ ትሰርሓ ምህላዋ ወሃቢ ቓል ሚንስትር ኢንዳስትሪ ቶፊቕ ሙቻራፍ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

ኮሮና
ኮሮና