ቀዳማይ ሚንስትር ዓባይ ብርጣንያ እንታይ ዓይነት ሕክምና ክግበረሉ'ዩ?

ቀዳማይ ሚንስትር እንግሊዝ እንታይ ዓይነት ሕክምና ክግበረሉ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ትማሊ ናብ ሆስፒታል ዝኣተወ ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን፡ ቅድሚ 10 መዓልቲ'ዩ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ።

ጆንሰን ዝተፈላለዩ ምርመራታት ጥዕና ብተኸታታሊ ከምዝገበረ፡ ወሃቢ-ቃል ቤት-ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ።

በዓልቲ ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምናን ንጥዕና ዝምልከቱ ምድላዋት ሚድያ ኣቕራቢትን ዶክተር ሳራ፡ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ ኣፍ ልቡ ራጂ ከምዝለዓልን ምርመራ ሳንቡእ ከምዝገብርን ንቢቢሲ ሓቢራ።

ነዚ ምርመራ ዝገብር ድማ፡ ኣብ ምስትንፋስ ይጽገም እንተነይሩ ንምፍላጥ'ዩ።

ኮሮና
ኮሮና

ልቡ ብስሩዕ ትሰርሕ ምህላዋ ዝረጋገጸሉ ምርመራ ክግበረሉ ከምዝኽእል ዘዘኻኸረት ዶክተር ሳራ፡ ኣብ መጠን ኦክስጅን፣ ጻዕዳ ዋህዮ ደም፣ ጸላም ከብዱን ኩላሊቱን፡ ብቐጻሊ ምርመራ ክህልው ይኽእል ኢላ።

ካብ ሰብ-መዚ ዝተወሃበ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ስልጣኑ ዘሎ ኮይኑ፤ እዋናዊ ምዕባለታት በብእዋኑ ክበጽሖ ይግበር ኣሎ።።

ቀዳማይ ሚንስትር ነበር ቶኒ ብሌር፡ ቦሪስ ጆንሰን ዝርከበሉ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ብቕልጡፍ ክሓውይ ድማ ተመንዩ።