ህዝቢ ድምጹ ዘይህበሉ ምርጫ ሶማልያ

ጐደናታት ሞቓዲሾ ሕጹያት ፕረዚደንት ሶማልያ ብዘርእዩ ዓበይቲ ሰሌዳታት ተሰሊሙ ይርአ።
ነበርቲ ሞቓዲሾ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ምርጫ ዘንጸባርቝ ፖስተራት በብከባቢኡ ይርእዩ እዮም። እንተዀነ ኣብቲ ምርጫ ግን ኣይሳተፉን እዮም።
ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ሶማልያ እተሓላለኸን ተዘዋዋርን ፖለቲካዊ ስርዓት ስለ እትኽተል፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ድማ ኣብ ምርጫ ስለዘይወዳደራ እዩ። ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ዝህበሉ ምርጫ'ውን ኣይግበርን እዩ።
ኣብ ክንድኡ፡ እቲ 275 መናብር ላዕለዋይ ባይቶ 'ቤተ-ህዝቢ'፡ ብዓበይቲ መራሕቲ ቀቢላታት ዝተሓርዩ ወከልትን ኣመሓደርቲ ዞባታት ዝመርጽዎም ኣባላት ሲቪክ ማሕበራትን እዩ ዝመልእ። እዞም ኣባላት ባይቶ ድማ ነቲ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ይመርጹ።
እቲ 54 መናብር ዝሕዝ ታሕተዋይ ባይቶ፣ ንሓሙሽተአን ዞባታት ሶማሊያ ዝውክል ቤት ምኽሪ'ውን፡ ነታ 16.3 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ንምምራጽ ኣብ ዝግበር መስርሕ ይሳተፉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ሕጹያት መን እዮም?
ሶማልያ፡ እቲ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዝተናውሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ን15 ግንቦት ክተካይድ እያ፤ እዚ ኸኣ ካብቲ ፈለማ ዝተመደበሉ ግዜ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
ስልጣን ሒዙ ዘሎ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ - ፎርማጆ፡ ዝርከቦም ንፈለማ ግዜ 39 ሕጹያት ክሳተፉ እዮም።
እዚ ቝጽሪ ሕጹያት፡ እቲ ብዚያድ ባረ ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ስርዓት፡ ብ1991 ካብ ዝወድቕ ንደሓር፡ እቲ ዝዓበ ምርጫ እዩ።
ካብ መንጐ እቶም ሕጹያት ቅድም ፕረዚደንታት ዝነበሩ፡ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድን ሓሰን ሸኽ መሓመድን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሓሰን ኸይረን ይርከቡ።
ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኰይና ዘገልገለት ፎዚያ ዮሱፍ ኣደም ድማ፡ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ተወዳዳሪት እያ።
እቲ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ፕረዚደንት ናይታ ከፊላዊ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ፑንትላንድ ዝዀነ ስዒድ ዓብዱላሂ ደኒ'ውን ካብቶም ሕጹያት ሓደ እዩ።
ዝምረጽ ፕረዚደንት ንኣርባዕተ ዓመት ዘገልግል ክኸውን እንከሎ፡ ዳግም ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ከኣ ይኽእል'ዩ። ይዅን እምበር፡ ካብ 2000 ኣትሒዙ፡ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ምርጫ ምክያድ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ዳግም እተመርጸ ፕረዚደንት ሶማልያ የለን።
ተራ ዜጋታት ስለምንታይ ዘይመርጹ?
እቲ ስርዓተ ምርጫ፡ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ቀቢላታት ዘለዎም ሓይሊ ዘርኢ እዩ፣ ንሳቶም ነቲ ገና ምዕራባዊ ኣገባብ ዲሞክራሲ ዘይሰረጾ ሕብረተሰብ መሰረቱ እዮም።
ኣብ መንጐ ቀቢላታት ሶማልያ ብሰንኪ ዘሎ ብርቱዕ ህልኽ፡ እቲ ስርዓት፡ ማዕረ 'ምቕርሐ-ስልጣን' ብዝብል ቅማረ እዩ ዝዓዪ።
በዚ መሰረት፡ እተን ኣርባዕተ ቀንዲ ቀቢላታት ማዕረ መናብር ባይቶ ክሕዛ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ነቲ ፍርቂ ኣብ መንጐአን ይማቐላኦ።
እዚ ዓይነት ኣቃውማ ድማ፡ ነቶም ወከልቲ ቀቢላታት ሶማልያ ፖለቲካዊ ራእስነት ይህቦም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ምርጫ ስለምንታይ ደንጕዩ?
ኣብ ለካቲት 2021 ንዘብቅዐ ስልጣን ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ ብሓድሽ ፕረዚደንት ንምትካኡ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ባይቶ ተሪር ህዝባዊ ጸቕጢ ክግበር ጸኒሑ እዩ።
እንተዀነ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ህልኽ፣ ሰንኮፍ ምቅርራብ ዝደንጐየ ባይቶኣዊ ምርጫ፣ ሮርማጆን ምስ ሓገግቲ ኣካላት - ግን ብዘይመዝነት ምሕደራ - ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ክጸንሕ ክኢሉ እዩ።
እቲ ምርጫ ካብ ታሕሳስ ክሳዕ መጋቢት ንኣርባዕተ ወርሒ እናተጓተተ ቀጸለ።
ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ እዚ ምርጫ ብኣጋ እንተዘይተፈጺሙ፡ ነታ ሃገር ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ምዕራባውያን ለገስቲ ጸቕጢ ብምግባረን፣ ኣሜሪካ'ውን ንሰበስልጣን እገዳታት ቪዛ ስለዘሕለፈት እቲ ምርጫ ክካየድ ክኢሉ'ሎ።
ዋላ'ኳ ሰዓቱ ብዕሊ ኣይፈለጥ እምበር፡ እቲ ምርጫ ጽባሕ ሰንበት፡ 15 ግንቦት ክካየድ እዩ።
ሶማልያ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክትከውን ትኽእል'ዶ?
ፖለቲካውያን ሓይልታት ሶማልያ፡ ሓደ-ሰብ-ሓደ-ድምጺ ዝብል መስርሕ ምርጫ ኣብዚ ዓመት ከተኣታትዉ ኣቐዲሞም ቃል ኣትዮም'ኳ እንተነበሩ፡ መብጽዓኦም ከፈጽሙ ግን ኣይከኣሉን።
እንተዀነ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፣ ከምኡ'ውን ህዝበ-ውሳነ ንምጽዳቕ ሓድሽ ቅዋም ስለዘይተኻየደ፡ እቲ መብጽዓ ክትግበር ከምዘይክእል ርዱእ እዩ ነይሩ።
ስለዚ፡ እዚ ሓያለ ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድመኡ ዘለዎ ሓድሽ መንግስቲ፡ ነዚ መስርሕ [ዲሞክራሲያውነት] ማዕረ ክንደይ ቀዳምነት ክህቦ እዩ ግን ክግመት ኣይከኣልን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







