ጥምየት ሶማልያ፡ 'ህጻናት ኣብ መዓስከራት ተፈናቐልቲ ይሞቱ ኣለዉ'

'ህጻናት ኣብ መዓስከራት ተፈናቐልቲ ይሞቱ ኣለዉ'

ምንጪ ስእሊ, Islamic Relief

ሶማልያ ኣብ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተረኣየ እቲ ዝኸፈአ ደርቂ ኣጋጢምዋ ከምዘሎን፤ ሚልዮናት ብሰንኪ ጥምየት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ተገሊጹ።

ትካል ግብረ ሰናይ 'ሴቭ ዘ ችልድረን' እቲ ጽልዋ ጥምየትን ምፍንቓልን ስድራቤታት፡ ብሰንኪ ተደጋጋምን ዝተናወሐን ደርቂ ዝሰዓበ ምዃኑ ገሊጹ።

ጉጅለ 'እስላሚክ ሪሊፍ' ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዞባ ጌዶ ሶማልያ፡ ዝርከብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ኣብቲ መዓስከር ልዕሊ 2000 ስድራ ቤታት ህጹጽ ሓገዝ ይጽበያ ምህላወን ሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ እስላሚክ ሪሊፍ ሹክሪ መሓመድ "ኣሽሓት ስድራቤታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ክትርእየን ዘሰንብድ እዩ" ኢሉ።

'ህጻናት ኣብ መዓስከራት ተፈናቐልቲ ይሞቱ ኣለዉ'

ምንጪ ስእሊ, Islamic Relief

ንሱ ብምስዓብ "ሰቡኡት፡ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዩ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ኣብቲ መዓስከር ብጽምእን ጥምየትን ይጥቅዑ ኣለዉ፡ ብዙሓት ሓሚሞም ኣለዉ፡ መግቢ የብሎምን፡ ማይ የብሎምን፡ መጽለሊ፡ ዓይኒ ምድሪ ኾነ ማእከል ጥዕና የብሎምን፡ ብዙሓት ብጽኑዕ ዝሓመሙ ኣለዉ፡ ካብኦም ብዙሓት ይስዕሉ ስለዝነበሩ ሕማሞም ኮቪድ-19 ክኸውን ይኽእል እዩ።"

"እቲ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሙቐት እዚ ኢልካ ክትገልጾ ትኽእል ኣይኮነን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብጥምየት ዝሞቱ ሰብ ርኢና" ይብል ሹክሪ መሓመድ።

ዮራይ ኣሚና ዓበደልረዛቕ ጓል 54 ዓመት ኮይና ንሳን ብዓልቤታን ሸሞንተ ደቆምን ዝነበረኦም ጥሪት ብምሉአን ብደርቂ ምስ ሃለቓ ህይወቶም ንምድሓን ናብቲ መዓስከር ከምዝመጽኡ ትገልጽ።

'ህጻናት ኣብ መዓስከራት ተፈናቐልቲ ይሞቱ ኣለዉ'

ምንጪ ስእሊ, Islamic Relief

"ናብዚ ንምብጻሕ ሰለስተ መዓልቲ ኢና ተጓዒዝና፡ ብድኻምን ጥምየትን ኣብ መንገዲ ዝሞቱ ህጻናት ነይሮም'ዮም፡ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይለኸፍናን፡ ደቀይ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብጥምየት የምባሁቑ ኣለዉ" ብምባል ንኣባላት እቲ ማሕበር ሓቢራቶም።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ መዓልታት ኣብ ውሽጢ እቲ መጽለሊ ተመዛበልቲ ብገምጋም 10 ህጻናት ብጥምየት ሞይቶም ኣለዉ፡ ንሕና'ውን ኣብ ኣፍ ሞት ኢና ዘለና፡ ህጹጽ ሓገዝ የድልየና ኣሎ" ትብል ዮራይ ኣሚና ዓበደልረዛቕ,.

ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ሃገራት ኬንያ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያ ብሰንኪ እዚ ዘሎ ደርቂ 13 ሚልዮን ሰባት ንብርቱዕ ጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።