ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ሞቃዲሾ ብዝተፈንጀረ ነትጒ ቆሲሉ

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሶማልያ ሞሓመድ ኢብራሂም ሞዓሊሙ ኣብ ሞቃዲሾ ብዝተፈንጀረ ነትጒ መቑሰልቲ በጺሕዎ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ሞዓሊሙ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ካብ ዝተፈንጀረ ነትጒ ጉድኣት ምስ በጽሖ ሽዑ ንሽዑ ናብ ሆሰፒታል ከምዝተወስደ ተሓቢሩ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዛጊድ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እንተዘየለ’ኳ፡ መንግስቲ ማዕኸን ዜና ሶማልያ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ቦምቧ ብነፍሰ-ቅትለታዊ ከምዝኾነ ጸብጺቡ።
ቢቢሲ ሶማሊ ከምዝበሎ፡ ሚኒስተር ሞዓሊሙ ቅድሚ ሕዚ ካብ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ኣምሊጡ እዩ።
እዚ መጥቃዕቲ ነቲ ቅድም ክብል ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርትን ማእከል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገርን ካብ ጉጅለ ኣልሻባብ ዝተፈነወን፡ ህይወት 8 ሰባት ዘስአነን ድሒሩ ዝተፈጸመ እዩ።
ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ከም ዝለዎ ዝንገረሉ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሻባብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ኣካላት ተደጋገሚ መጥቓዕቲታት ምፍጻሙ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ዝፍነዉ ዘለዉ መጥቃዕቲታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንት እታ ሃገርን ምድንጓይ መረጻ ኣመልኪቱ ዝተፈጠረ ዘይምስናይ ስዒቡ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሶማልያዊ ጋዜጠኛ ሞሓመድ ሞሓመድ " ሕዚ እቲ ጸገም ዝተፈትሐ እዩ ዝመስል" ክብል ንራድዮ ፎከስ ቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ክልላዊ መራሕትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካብ 15 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 40 መዓልታት መረጻ ንኽካየድ ዘኽእል መስርሕ ተስማሚዖም ኣለዉ"።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







