ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሶማልያ ናይ ቪዛ እገዳ ክትገብር እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ዴሞክራሲያዊ ዕንቅፋት ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሰብ መዚ ሰማልያ ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ስጉምቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንዝወሰዱ ዘለው መራሕቲ ትኹረት ከም ዝገብር ሓቢሩ።
ኣብ ሶማልያ፡ ሓፈሻዊ መረጻ ክካየደሉ ካብ ዝግባእ ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ'ሎ።
ዕምሪ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ካብ ዘብቅዕ'ውን ሓደ ዓመት ተቖጺሩ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ምኽንያታዊ ዘይኮነ ማእሰርቲ ዝፍጽሙ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲን ጸቕጢ ዝገብሩን ኣብ መስርሕ እቲ መረጻ ምትዕንቓፍ ዝፈጥሩን ናይ ቪዛ እገዳ ከም ዝግበረሎም ኣብሪሁ።
እዚ ንናይ ቐረባ ኣባላት ስድራቤት እቶም ሰብ መዚ'ውን ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ።
"እቲ እገዳ መስርሕ መረጻ ክተዓናቐፍን ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ተኣማንነቱ ሓሊዩ ንክካየድ ሓላፍነቶም ንዘይተዋጽኡን ዝምልከት እዩ" ኢሉ።
ኣመራርሓ ክልልን ፌደራልን ሶማልያን'ውን እቲ መረጻ ተኣማንን ግልጽን ኮይኑ ክካየድ ክገብሩ ምተገብአ ነይሩ ኢሉ።
ይኹን'ምበር ሃገሩ ኣብ ሶማልያ ዴሞክራሲ ንክዓስል እትገብሮ ምትሕብባር ቐጻሊ ምዃኑ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ፋርማጆ ነቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣናዊሑ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምውሳኑ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ሰፊኑ ይርከብ።
ኣብዚ ወርሒ 27 ለካቲት ድማ ባይቶኣዊ መረጻ ተኻይዱ ናብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክትሰጋገር ትጽቢት ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







