ኲናት ኢትዮጵያ፡ ደሃይ ስድራ ዘይረኸቡ ተጋሩ ዳያስፖራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይህልዉ?

ምንጪ ስእሊ, MUUZ, BIRZAF ZERISENAY
ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ሓደ ዓመትን ሸውዓተ ኣዋርሕን ተቘፂሮም ኣለዉ። እቲ ኲናት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣሕሊፉ፣ ሚልዮናት ኣፈናቒሉን ግዳይ ጥምየትን መከራን ክዀኑን ከም ዝገበረ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መራኸቢ (ስልኪ፡ ኢንተርነትን ካልእን) ብምቍራጹ፡ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዉ ስድራኦም ዝዀነ ደሃይ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ከቢድ ጭንቀትን ስነ ልቦናዊ ፀቕጥን ፈጢሩሎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ዘለው ተጋሩ ይዛረቡ።
"ንመወዳእታ ዝረኸብክዎም. . . "
ኣብ ኣሜሪካ እትነብር ብርዛፍ ቅዱስ፡ ብቐጥታ ተሌፎን ይዅን መስመር ኢንተርነት ንቤተሰባ ካብ ዘይትረኽቦም ኣዋርሕ ከም ዝሓለፈ ትዛረብ።
"ምስ ወለደይ፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንመወዳእታ ግዜ ብቐጥታ ብስልኪ ዝተራኸብኩሉ እዋን፡ ሰራዊት ትግራይ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቘፃፀረሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ 'ቲ መስመር ተቛሪፁ፡" ትብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ንህዝቢ ትግራይ ግዜ ፅሞና ንምሃብ" ብዝብል ሰራዊቱ ከም ዘውጽአ ዘገለፀሉ፤ ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ "ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓወት ብምርካብ" ንመቐለ ዝተቘፃፀሩሉ እዋን ወርሒ ሰነ ምንባሩ ይዝከር።
ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ እቲ ንዝተወሰነ እዋን ተመሊሱ ዝነበረ ኣገልግሎታት ስልኪ ኣብ ትግራይ እንደገና ተቛሪፁ። ኣገልግሎት ኢንተርነት ግን ካብ ጽባሕ ምጅማረ እቲ ኲናት ኣትሒዙ ከም ዝተቛረጸ ይዝከር።
ብርዛፍ፡ እዞም ኣገልግሎታት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብቪድዮን ስእልታትን ከይተረፈ ምስ ስድራኣ ብቐጻሊ ትራኸብ ከም ዝነበረት ትዝከር፣ እዚ ዕድል ግን ሎሚ የለን።

ምንጪ ስእሊ, CONSTRUCTION PHOTOGRAPHY/AVALON
ምዑዝ ግተት፡ ኣብ ቱርኪ ዝነብር ትግራዋይ ኰይኑ ንሱ'ውን ልክዕ ከም ብርዛፍ ንስድራኡ ካብ ዘይረኽቦም ኣስታት 11 ኣዋርሕ ኰይንዎ'ሎ። ብሰንኩ፡ ብፍላይ ኵነታት ወላዲ ኣቦኡ ድቃስ ከም ዝኽልኦ ይዛረብ።
"ወላዲየይ፡ 80 ዓመት ዝገበረ ሽማግለ እዩ። ሕማም ነይርዎ፣ መጥባሕቲ'ውን ገይሩ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ከመይ ኵነታት'ዩ ዘሎ? እንታይ ፀገማት ኣጋጢምዎ ይኸውን? እንታይከ ይበልዕ ይህሉ? ሕክምናኡ ይከታተልዶ? ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡" ይብል።
ካብ ዓዲ ካብ ዝወጽእን ምስ ቤተሰቡ ካብ ዝፈላለን ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝገበረ ዘርእሰናይ ካሕሳይ ብወገኑ፡ ደሃዮም ዝፈልጠሉ እንኮ ኣማራጺ ስልኪ ወይ ኢንተርነት'ዩ ነይሩ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር ግን ነዚ ዕድል ስኢኑ ድሕሪ ምፅናሕ ቅድሚ፡ ወርሒ ሰነ እናተቘራረጸ ይሰርሕ ብዝነበረ ስልክን ኢንተርነትን ይረኽቦም ከም ዝነበረ ይዛረብ።
"ብተደጋጋሚ ይቋረፅን ይጅምርን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ኣሓተይ እራኸብ ነይረ፣ ነደይን ካልኦት ቤተሰበይን ይረኽቦም ነይረ። ድሕሪ ሰነ ግን ዝረኸብክዎ ቤተሰብ የለን፡" ይብል።
እዞም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ተጋሩ፡ ሓሓሊፉ ገለ ኣገልግሎት ሳተላይት ኢንተርነት ዝረኽቡ ሰባት ብዛዕባ ደሃይ ስድራኦም ከምዝሕብርዎም ይዛረቡ።
እንተዀነ ነቶም ቅድሚ'ቲ ኲናት መዓልታዊ ወይ ሰሙናዊ ብድምጺ ዝረኽብዎም ዝነበሩ ስድራኦም ሎሚ፡ ድምጾም ክሰምዑ ወይ ገጾም ክርእዩ ዘይምኽኣሎም፡ ኵነታት ድሕነቶምን ሃለዋቶምን ከም ዘጨንቘም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናብራናን ጥዕናናን!
ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ወለዶም፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓቶምን ካልኦት ኣዝማዶምን ተራኺቦም ዘይፈልጡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ዲያስፖራ ብዙሓት'ዮም።
ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ካብ ዝቋረጽ፡ ግዜ እናነውሐ ብምምጽኡ፡ ሃለዋትን ድሕነትን ስድራ ካብ ምጭናቕ ሓሊፉ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወትን መነባብሮን ከቢድ ፅልዋ ከሕድረሎም ከምዝጀመረ ይዛረቡ።
"እንታይ ኰይኖም ይኾኑ? ጠምዮም'ዶ ይህልዉ? ዝብል ነገር ኣብ ዘይትፈልጠሉ ኵነታት፡ ውሽጣዊ ሰላም ክስምዓካ ክትረጋጋእን ኣይትኽእልን፡" ትብል ኣብ ኣሜሪካ እትነብር ብርዛፍ።
ነቲ ንሳን ካልኦት ኣብ ደገ ዝነብሩን ተጋሩን ደሃይ ስድራ ከይረኸቡ ውሽጦም እናደመየ ዘሕልፍዎ ዘለዉ እዋን፡ "ዘይከኣል ክኢልና ኢና ንኸይድ ዘለና፡" ክትብል ትገልፆ።
"ውሽጥና እንተዝርአ ከቢድ ግዜ ኢና ነሕልፍ ዘለና። በዚ ምኽንያት ኣብ ጥዕናና፣ መነባብሮናን ስራሕናን ንፍተን ኣለና፡" ብምባል፡ ብወገና ክሳብ ምቍራጽ ስራሕ ከም ዝበጽሐት ትዛረብ።
ዘርእሰናይ ድማ ደሃይ ቤተሰብ ክሰምዕ ዘይምኽኣሉ ኣብ ህይወቱ ከቢድ ፅልዋ ከምዝፈጠረሉን፡ ንሕማቕ ኵነታት ከም ዝተቓልዐን ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።
"ካብ ቤተሰብ ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልየ ስለዝጸናሕኩ፡ እዚ ኵነታት ንህይወተይ ብጣዕሚ ፀልይዎ'ሎ። ቅድሚኡ ዘይፈልጦ ጨጐራይ ክሳብ ምሕማም በፂሐ፡" ብምባል ኵነታቱ ይገልጽ።
ብሰንኪ ጭንቀትን ሻቕሎትን ናብዚ ሕማም ከም ዝተቓልዐ ዝዛረብ ዘርእሰናይ፡ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ምሉእ ጥዕናኡ ክምለስ ኣይከኣለን።
"እዚ ኵነታት ኣባይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሰባት'ውን ዝረኣኽዎ እዩ። ሕርቃን፡ ሻቕሎት፡ ምስቍርቋርን ናፍቘትን ተደራሪቡ ክሳብ ሎሚ ብህይወት ምህላው ተመስገን ዘብል እዩ፡" ይብል።
"ርእስና ትኽክል የለን"
ንሱን በዓልቲ ገዛኡን ኣዝዩ ከቢድን ፈታንን እዋን ክሓልፉ ይግደዱ ምህላዎም ዝዛረብ ምዑዝ ብወገኑ፡ "ይትረፍዶ ሰላማዊ መዓልቲ ውዒልካ ክትሓድር፡ ብግቡእ ተመጊብካ ክትትስእ ከቢድ ዝዀነሉ እዋን እዩ፡" ክብል የረድእ።
ኣብ ስራሕ ይዅን ካልኦት ትልሚታቱ ትዅረት ገይሩ ንኸይሰርሕ ከቢድ ጽልዋ ከምዘሕደረሉ ድማ ይዛረብ።

"ክትሓስብ ኣይትኽእልን። ስራሕካ ብመሰረት ዝሓዝካዮ ውጥን ክትሰርሕ ትፅገም። ርእስና ትኽክል የለን፡" ብምባል፡ ኵሉ ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ዝርከበሉ ኵነታት ይገልፅ።
ኣስዒቡ፡ "ክንዲ ዝዀነ ይዅን ትብዓት ወይ ጥንካረ እንተሃለወካ'ውን ነዚ ዅሉ ተፃዊርካ ናብ ንቡር ህይወትካ ምምላስ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡" ኢሉ። ካልኦት ብቐረባ እትፈልጦምን ኣብቲ ንሳ ዘላትሉ ኣሜሪካ ዝነብሩን ተጋሩ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ንደሓር ደሃይ ስድራ ብዘይምርካቦም ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከም ዘለው ብርዛፍ ዝተዓዘበቶ ትገልጽ።
ሰላማዊ ኵነታት ክምለስ፡ እቲ ተሓቢኡ ዘሎ ሰኣን መራኸቢ ዘይተነገረን ኵነታት ስድራ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ደሃይ ቤተሰቦም ብሃንቀውታ ዝፅበዩ ተጋሩ ዲያስፖራ ከቢድ በሰላ ዝገድፍ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት ሓቢሮም።
ብርዛፍ፡ ዘርእሰናይን ምዑዝን ኵነታት ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ምስ ቤተሰቦም ዳግም ዝራኸብሉ መዓልቲ ብተስፋ ከም ዝፅበዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።ልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







