ክልል ኣምሓራ ንጸብጻብ ኣምነስትን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ነጺግዎ

ምንጪ ስእሊ, Amhara Comm Bureau
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውጽእዎ ጸብጻብ ነጺግዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልቲኦም ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ቅትለትን ምስዋርን ዝርከቦ ገበናት ከምዝተፈጸመ ምግላጾም ይዝከር።
ኣብቲ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ሰብስልጣን ኣምሓራን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ምስ ገበን ኵናት ዝመዓራረ ሰፊሕ ገበናት ከምዝተፈጸሙ ምግላጾም ይዝከር።
ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ክኣቱን ሓይልታት ፋኖ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ'ውን ጸዊዖም።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሚሊሻታትን ፋኖን ገበናት ፈጺሞም ንዝብል ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ነቲ ጸብጻብ "ኣውያት ህዝብና ንምጭዋይ፡ ህላወ ሃገርናን ህዝብናን ንምኽባር ግቡእና ኣብ ዝገበርናሉ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ጸጥታን ፋኖን ዘሎ ሓያል ምትእስሳር ኣብ መጸኢ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢሙ ሓደ ኮይኖም ከምዘይከላኸሉ ንምግባር ዝዓለመ እዩ" ብምባል ኮኒንዎ።
ብምስዓብ ነቲ ጸብጻብ "ሚዛናውነት፡ ተኣማምነት ዝጎደሎ'ዩ" ኢልዎ።
ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ናይ ኣምነስን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዝገብርዎ ዘለዉ መርመራ ዋጋ ዝኸልእ'ዩ ኢልዎ።
እቲ ጸብጻብ "ናይ ሓደ ወገን ሻራነት ዝሓዘ" ከምዝኾነ'ውን ከሲሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ጸብጻብ "ንፖሎቲካዊ መዓላ" ከገልግል ከምዝኽእል ምግላጹ ዝዝከር'ዩ።
ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብወገኑ ንጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ኣመልኪቱ ብዓርቢ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ጸብጻብ [ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን] ብምሉእ ከምዝድግፎ ብምግላጽ፡ ተመሳሳሊ ገበናት ሕጂ'ውን ይፍጸም ከምዘሎ ጠቂሱ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ መግለጹኡ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ምጽጻይ ዓሌት ኮነ ገበን ኵናት ከምዘወግዝን ነዚ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ንምቅራብ ዝግበር መርመራ ከምዝድግፍን ጠቂሱ።
ጸብጻብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል እንታይ'ዩ ዝብል?

ምንጪ ስእሊ, John Holmes for Human Rights Watch and Amnesty Int
ሂዩማን ራይትስዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንተጋሩ ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም ክብሉ ከሲሶም።
ንድሕነት ሰላማውያን ሰባት ዝከላኸል ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክዋፈር ድማ እቶም ዓለምለኻዊ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቶም።
ኣብቲ ብረቡዕ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ጸብጻብ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ፡ ምፍርራሕ፣ ምስርጣይ፣ ብኣስገዳድ ካብቲ ከባቢ ክፈናቐሉ ብምግባር ከቢድ ግህሰት ሰበኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 16 ኣዋርሕ ክልል ኣምሓራ ነቲ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘቕርበሉ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሩዎ ምህላው ይፍለጥ።
ነቲ ኣብቲ ዞባ ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ ምግሃስ መሰላት ደው ንኽብልን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ቦታ ንኽኣቱን ኣኽባሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ክኣቱ ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም ትካላት ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝግበር ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብህጹጽ ኣኽባር ሰላም ሓይሊ ጸጥታ ክኣቱ ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
እቲ "'ካብዚ ምድሪ ከነጥፍኣኩም ኢና'፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበንን ምጽጻይ ዓሌትን ኣብ ምዕራብ ትግራይ" ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ሓይልታትን ሚሊሻን ኣምሓራ "ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት" ከም ዝፈጸሙ የርኢ።
እንተኾነ፡ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን መሓዙት ኢትዮጵያ ክብደት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸሙ ዘለው ገበናት ከርእያ ኣይክኣላን ክብል እቲ ጸብጻብ ነቒፉ።
"ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምጽጻይ ዓሌት ጠጠው ከብሉን ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ትግራይ ብፍቓዶምን ድሕነቶም ብዝተሓለወን መልክዑ ናብ ቦትኦም ክምልሱ ኣለዎም" ክብል ኣተሓሳሲቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







