ኮሮናቫይረስ: ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ሰባት ዳግማይ ኮቪድ ዝተሓዙ?

ኮቪድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ለበዳ ኮቪድ ዝተዘርገሓሉ እዋን ሰባት ክልተ ሳዕ ኮቪድ ከምእተታሕዙ ሳሕቲ እዩ ዝስማዕ ነይሩ ።

ዳሕራይ ድሕሪ መወዳእታ ሕዳር 2021 ግን ኦሚክሮን ዝተባህለ ሓዲሽ ዓሌት ቫይረስ ምስመጽአ እቲ ተርእዮ ተቐይሩ።

እቲ ኦሚክሮን ዝተባህለ ዓሌት በቲ ብዝግባእ ዘይተጸገነ ናይ ረኽሲ ነቓዓት ሰሊዅ ስለዘጥቅዕ ሰባት ደጋጊሞም ከምዝሓሙ ክስማዕ ጀሚሩ።

ሊቃውንቲ ኮቪድ እቲ ጉዳይ ናይ ቁጽሪ ጸወታ እዩ ይብሉ። ምብዛሕን ምውሓድን ናይቶም ዘጥቅዑና ብዝሒ ቫይረስ። ኣብ ሓደ እዋን መብዛሕትና በዚ ሕማም ተለኺፍና ኢና። ይኹን እምበር በዚ ድሒሩ ዝመጽአ ዓሌትን ዝርገሐን ዳግማይ ንልከፍ ኣሎና - ግን ብዙሓት ኣይኮንና።

ወላ 'ውን እዚ ናይ ቀረባ ግዜ ዓሌት ኮቪድ ኦሚክሮን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ እንተሎ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓጺር ግዜ ክልተ ሳዕ ብኮቪድ ክጥቅዑ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ሰብነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እንተነክዩ ግን ካልኣይ ረኽሲ ኮቪድ ከጋጥሞም ይኽእል።

ጸረርታ ፈሳሲ ኣፍንጫን ረስንን ምልክታት ኮቪድ ክኾኑ ይኽእሉ'ዶ?

እቲ ምላሽ ተመርሚርካ ጥራሕ ኢኻ ትፈልጦ። ስለዚ ዝኾነ ሰዓል መሰል ጸረርታን ረስኒን እንተጋጢሙ ክትምርመር ይግባእ። ኣብ መስርሕ ግን ማዕረ እቲ ሰብነት ወዲ ሰብ ዘጥርዮ ተጸዋርነት ሕማም እቲ ኮቪድ እውን እናተሓላለኸ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኮቪድ መናብርትና ምዃኑ ተገንዚብና ኩሉ ሳዕ እቲ መባእታዊ ጥንቃቐ ክንገብር ይግባእ።

ቅድሚ ሕዳር 2021 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተመዝገቡ ጉዳያት ኮቪድ፡ ትሕቲ 1% እዮም ዳግማይ ከም ዝተታሕዙ ተመዝጊቦም።

ድሕሪኡ ግን ኦሚክሮን መጺኡ ነቲ ኩነታት ቀያይርዎ። እዚ ፍልልይ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብኮቪድ ተጠቒዑ ዝነበረ ሰብነት ቀልጢፉ ክጥቃዕ ስለዝኽእል እዩ።

ስለዝኾነ እቲ መጠን ዳግማይ መልከፍቲ፡ ብፍላይ ከኣ ኦሚክሮን ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብ10 ዕጽፊ ወሲኹ'ሎ ።

እቶም ቅድሚ ሕጂ ብዓሌት ኦሚክሮን ዝተታሕዙ ሰባት ካብቲ ካልኣይ መልከፍቲ ክከላኸለልካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እዚ ዓሌት እዚ ብፍላይ ኣብ መንእሰያትን ዘይተኸትቡን እዩ ብዝያዳ ዝረአ ዘሎ።

ክሳዕ ሕጂ ብዝተኣከበ ሓበሬታ ብኦሚክሮን ክልተ ሳዕ ዝተታሕዙ ውሑዳት እዮም።

ኣብ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ሰባት ሳልሳይ ደረጃ ክታበት ኮቪድ ወሲዶም ኣለው። ካልኦት ክልተ ሚልዮን ድማ ካልኣይ ዶዝ ወሲዶም ኣለው።

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ኮቪድ ማዕበል ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ከጋጥም ዝኽእል ረኽሲ ተኸላኺሉሎም ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንኻልኣይ ሳዕ እንተሒዙካ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክብርትዕን ሆስፒታል ከእቱን ኣይክእልን እዩ ትብል ክኢላ ምክልኻል ሰብነት ሕማማት ኢምዩኖሎጂ ኤሊኖር ሪለይ።

እቲ ቫይረስ ኮነ እቲ ክታበት ንምክልኻል ዓቕሚ ሰብነትና ስለዝሕግዞ ብዙሕ ክንጥቃዕ ኣይንኽእልን ንኸውን። ግን ከኣ ናይ ጥዕና ጸገማት ንዘለዎም ሰባት ከነመሓላልፈሎም ስለእንኽእል ሕጂ እውን ክንጥንቀቕ ከምዘሎና እታ ክኢላ ትመክር።