ሓደ ኢጣልያዊ ንክታበት ኮቪድ ኣብ ስኑዕ ኢድ ብምውጋእ ከታልል ፈቲኑ

ሓደ ኢጣልያዊ ሰብኣይ ክታበት እናወሰደ (ዝጸንሐ ስእሊ)

ምንጪ ስእሊ, EPA

ግቡእ ክታበት ከይወሰደ ምስክር ወረቐት ናይቲ ክታበት ክወሃብ ዝሃቀነ ሓደ ኢጣልያዊ ነቲ ክታበት ኣብ ስኑዕ ኢድ ክውጋእ ኣብ ዝሓተተሉ ከምዝተከሽሐ ሰብ መዚ ገሊጾም።

እቲ ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ንክታበት ናብ ሓደ ማእከል ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣይፍለጥን እዩ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ንቕልጽሙ ካብ ሲሊከን ብዝተዳለወ ቅርጺ እዩ ወድዩ።

እታ ክታበት ትህብ ዝነበረት ነርስ ስለዝፈለጠቶ ግና እቲ ጉዳይ ንፖሊስ ተሓቢሩ።

እታ ነርስ ንመራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ነቲ መርፍእ ክትወግኦ ኢላ ክዳኑ ምስ ቀልዓቶ እቲ ቆርበቱ ከም ላስቲክ ተመጣጢ፡ ቆራርን እቲ ሕብሩ'ውን ኣዝዩ ጻዕዳ ምንባሩ ከምዘስተውዓለት ተዛሪባ።

እንተኾነ ግና እቲ ጉዳይ ምስ ተኸሽሐ'ውን፡ እቲ ሰብኣይ ነታ ነርስ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክእመን ኣይደለየን።

ፖሊስ ኣብዚ እዋን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢጣልያ ቤላ ኣብ ዝተባሃለ ከባቢ ዘጋጠመ ክስተት ይምርምርዎ ከምዘለውን ሰብመዚ እቲ ከባቢ ነቲ ተግባር ከምዝኾነንዎን ተገሊጹ።

እቲ ተግባር ዘይቅቡል እዩ ዝበለ መራሒ ዞባ ፔድሞንት፡ ኣልበርት ቺርዮ "ነቲ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ እዋን እቲ ለበዳ ብመንጽር ህየወት ሰብን ቁጠባን ንዝኸፈሎ ዋጋ ዘነኣእስ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ሰብኣይ ናይ ጥዕና ሰራሕተኛ ዝነበረን ክታበት ብዘይምውሳዱ ካብ ስርሑ ደው ክብል ዝተገበረን ምዃኑ ጸብጻባት ገሊጾም። ኣብ ኢጣልያ ኩሎም ሰራሕተኛታት ጥዕና ክኽተቡ ይግደዱ።

እዚ ፍጻመ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ እቶም ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት ሕጋጋታ ተጽንዓሉ ኣብ ዘላ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ሰባት ኣገልግሎት ባቡር፣ ሲነማ፣ ኣብያተ ብልዒ፣ ጂምን ስዊሚን ፑልን ክረኽቡ ክታበት ምውሳዶም፡ ካብ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ወይከኣ ካብቲ ሕማም ምሕዋዮም ዘረድእ ሰነድ 'ግሪን ፓስ' ከርእዩ ይሕተቱ።

ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ግና እዚ ኣገልግሎታት ነቶም 'ሱፐር ግሪን ፓስ' ዘለዎም ማለት ነቲ ክታበት ዝወሰዱ ወይከኣ ኣብ ቀረባ እዋን ካብቲ ሕማም ንዝሓወዩ ጥራይ ክድረት እዩ።

እቲ ሓድሽ ናይ 'ግሪን ፓስ' ወይ ይሕለፍ መምርሒ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙና ትኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢጣልያ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ እዩ።

ዛጊት 73% ኢጣልያውያን ምሉእ ክታበት ክወስዱ እንከለው እዚ ኣሃዝ ካብቲ ናይ ፈረንሳን ብሪጣን ዝለዓለ እኳ እንተኾነ ካብ ናይ ስፓኛን ፖርቹጋልን ዝተሓተ ምዃኑ ይግለጽ።