ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ስዒቡ፡ ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ንቅትለት ሰራሕተኛታቱ ንመንግስቲ ሓቲቱ

ኤምኤስኤፍ

ምንጪ ስእሊ, MSF

ዓለመለኻዊ ትካል ረድኤት፤ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ)፤ ድሕሪ እቲ ወኪል ዜና ኒው ዮርክ ታይምስ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ ቅትለት ሰራሕተኛታቱ ዝምልከት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ፡፡

ጸብጻብ ኒው ዮርክ ታይምስ ንቕትለት ሰራሕተኛታተይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚኦምን ተሓተትቲ ዝገብር እዩ ዝበለ ኤም ኤስኤፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ አብዚ ጉዳይ ምላሽ ክህብ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ፐረዚደንት ኤምኤስኤፍ ስፐይን ፓውላ ጊል ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ቅትለት እቶም ሰራሕተኛታት ዝምልከት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ባዕሉ ብዘካየዶ ምርመራ ብቐጥታ እቶም ቀተልቲ በዓል መን ከምዝኾኑን ምኽንያቶምን ክፈልጥ ኣይከኣለን ኢላ፡፡

ኮይኑ ግና ቅድም ክብል፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኮነ ተባሂሉ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብተደጋጋሚ ብዝተተኮሱ ጠያይቲ ተወቒዖም ከምዝሞቱ እታ ሓላፊት ገሊጻ ነይራ፡፡

ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ጸብጻቡ እንታይ ኢሉ?

ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኤምኤስኤፍ ኣብ ክልል ትግራይ 17 ሰነ 2013 ዓ/ም ንሰብኣዊ ሓገዝ እናተጉዓዙ እናሃለዉ ካብ ቀረባ ብዝተተኮሶም ጠያይቲ ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ፡፡

ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ቅትለት እቶም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኤምኤስኤፍ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዮም ተቐቲሎም ኢሉ፡፡

እቲ ወኪል ዜና ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ነቲ ቕትለት ዝምርምሩን ሰባት ጠቒሱ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ ሰለስቲኦም ሰራሕተኛታት በቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊጸ ኢሉ፡፡

በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ሓጋዚ መተሓባበሪ ኤምኤስኤፍ ዝነበረ ወዲ 31 ዓመት ዮሃንስ ሓለፎም፣ መራሒ መኪና ዝነበረ ቴድሮስ ገብረማርያምን ንነዊሕ ዓመታት ናይ ህጹጽ እዋን ረድኤት መተሓባበሪት ዝነበረት ጓል 34 ዓመት ስፔናዊት ማርያ ሀርናንዴዝን እዮም፡፡

ኣብቲ ዝተቐተልሉ መዓልቲ እቶም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ትካል ረድኤት፡ ማእከሎም ካብ ዝኾነት ከተማ ዓብዪ ዓዲ ንኣንፈት ደቡብ፡ ዝተጎድኡ ሰባት ደልዮም ንምሕጋዝ እናተጉዓዙ ከምዝነበሩ ሓደ ኣብ ትካል ረድኤት ዝሰርሕ ውልቀ ሰብ፡ ንኒው ዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ፡፡

ከባቢ ሰዓት 9 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ሸውዓተ ሕጉም ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ቁሸት ክበጽሑ 2 ኪሜ እንትተርፎም፡ ዝጓዓዙላ ዝነበረት ላንድ ክሩዘር መኪና ናብ ተመሳሳሊ ኣንፈት ትጓዓዝ ናብ ዝነበረት መኪና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ በጺሓ፡፡

እዚ ድማ ናብቲ ናይ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ ዝነበረ ኮሎኔል ታደሰ በቀለ ሪፖርት ከምዝተገበረ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኒው ዮርክ ታይምስ ገሊጾም፡፡

ኣብ መኪነኦም እናሃለዉ ተኹሲ ዝተኸፈቶም ሰለስቲኦም ሰራሕተኛታት ኤምኤስኤፍ ንርእሶም ካብ መጥቃዕቲ ንምድሓን ካብ መኪነኦም ወሪዶም ነይሮም፡፡

MSF

ምንጪ ስእሊ, MSF

ኣብ መወዳእታ ዮሃንስ፣ ቴድሮስን ማርያን ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣባላት እቲ ሰራዊት ካብ ቀረባ ተወቒዖም ከምዝተቐተሉ ካፒቴን ግርማይ ሞገስ ዝተባህለ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኒው ዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ፡፡

እቶም ምስክርነቶም ንኒው ዮርክ ታይምስ ዝሃቡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይሊታት ትግራይ ተማሪኾን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ እዮም፡፡

ኒው ዮርክ ታይምስ እቶም ቃሎም ዝሃቡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ተገይሩሎም ክዛረቡ ብዛዕባ ምኽኣሎም ዝረኣኽዎ ምልክት የለን ኢሉ፡፡

እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ክቕተሉ ትእዛዝ ዝሃበ ኣዛዚ ኣብ ዓውደ ኲናት ከምዝተቐተለ ሓበሬታ ምርካቡ እውን እቲ ወኪል ዜና ኣረዲኡ፡፡

ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተጋፈሐ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣውሪዱ እዩ፡፡

ትካላት ረደኤትን ሃገራት ምዕራብን፡ ኣብዚ ኲናት ዝተሳተፉ አካላት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ጥፍኣት ፈጺሞም እዮም ይብሉ፡፡

ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕንወትን ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ብሕጊ ክሕተቱ እውን ሕቶ ክቐርብ ጸኒሑ እዩ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ሕጊ ጥሒሶም ኣብ ለዕሊ ዝበሎም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክሲ ከምዝመስረተን ናይ ቅጽዓት ውሳነ ከምዝሃበን ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ ውሳነ ግን ዝወጽአ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።