ኩናት ትግራይ፡ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ስርሑ ከምዘቋረፀ ኣፍሊጡ

ኣርማ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ማሕበር፡ ነቲ ኣብ ገለ ካባቢታት ትግራይ ክህቦ ዝጸንሐ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ውሕስነት ጸጥታ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሰለስተ ኣባላቱ ኣብቲ ክልል ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር።

እቲ 'ኤም-ኤስ-ኤፍ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ማሕበር፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ቅትለት ኣባላቱ ብህጹጽ ክጻረን፡ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብውሕስነት ስርሖም ክገብሩ ክፍቀደሎምን" ጸዊዑ'ሎ።

"መሳርሕትና ካብ ዝቕተሉ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ኮይኑ'ሎ፡ ሓላፍነት ዝወሰደ ዝኾነ ኣካል የለን። ኩነታት ኣማውትኦም'ውን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን" ክትብል ዳይረክተር ስርሒታት እቲ ትካል ቴረዛ ሳንክሪስቶቫል ተዛሪባ።

ኣብ ዓቢ-ዓዲ፡ ዓዲ-ግራትን ኣክሱምን ዝነበሮም ንጥፈታት ንምቁራጽ ዝወሰድዎ ውሳነ፡ "ኣዝዩ መሪር ግን ድማ ክኸውን ዘለዎ'ዩ" ብምባል ገሊጻቶ።

እንተኾነ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ህፁፅ ሓገዝ ንዝደልዩ ነበርቲ፡ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ሰራሕተኛታቱ ስርሖም ከምዝቕፅሉ ገሊፁ።

"ኣብ መሳርሕትና ማርያ፣ ቴድሮስን ዮውሃንስን ዝተፈፀመ ቅትለት: ኣብነት ናይቲ ኣባላትና ኣብዚ ጎንፂ እዚ ዝተዓዘብዎ ንሂወት ሰብ ፍጹም ዋጋ ዘይምሃብ እዩ። መጠን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍፀም ግህሰትን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታትን ኣዝዮም ዘሰንብዱ እዮም" ትብል እታ ዳይረክተር።

ብሰንኪ እዚ ከኣ፡ "ኣብዚ ኣፀጋሚን ብጣዕሚ ከቢድን ኩነታት፡ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ትግራይ ነካይዶ ስራሕትና ክነቋርፅ ወሲንና" ኢላ።

ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (ኤም ኤስ ኤፍ)፡ ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዝ ምቁራፁ ካብቲ ትካል ሓገዝ ይረኽቡ ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ሰብኣውን ናይ ጥዕና ድጋፍን ከምዘስእኖም ተገሊፁ።

ኣብቲ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት፡ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ምቕታሎም ይፍለጥ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ዓጸቦ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

እቶም ሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ትግራይ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዝነበሮም ርክብ ዝተቛረፀ እንትኾን፡ ብፅባሒትኡ ሬሳ ሰለስቲኦም ይጓዓዙላ ካብ ዝነበሩ መኪና ቁሩብ ፈንተት ኢሉ ከምዝተረኸበ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብቲ እዋን ምግላፁ ይዝከር።

ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ክዋጋእ ዝፀንሐ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ነቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ብምኹናን እቲ ቅትለት ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተፈፀመ ክገልፅ እንከሎ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ "እቲ ቅትለት ኣብ ከባቢ ዓብይዓዲ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዩ ተፈፂሙ" ኢሉ ኔሩ።

ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (ኤም ኤስ ኤፍ)፡ ኣብ ትግራይ ኩናት ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ንዝዓነዉ ማእኸላት ጥዕና ብምጥያሽን፡ ሕክምና ንዘድልዮም ሰባት ብምሕካምን ዝሕግዝ ዘሎ ዓለምለኸ ትካል እዩ።