ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 4 ሰራሕተኛታት ረዲኤት ተቐቲሎም

ኣህጉራዊ ትካል ድሕነትን ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ዴንማርክን ዝተባህሉ ክልተ ትካላት ረዲኤት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ትግራይ ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።
ኣህጉራዊ ትካል ድሕነት (ኢንተርናሽናል ረስክዩ ኮሚቲ) ሓደ ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ጥቓ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ከምዝተቐትለ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ብሞት ኣባሉ ከቢድ ሓዘን ከምዝተሰመዖ ገሊጹ'ሎ። ብመንን ኣብ ከመይ ኩነታትን ከምዝተቐተለ ንምፍላጥ ሓበሬታታት ይኣኻኽቡ ከምዘለዉ'ውን ጠቒሱ።
ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ዴንማርክ (ዳኒሽ ረፊጂ ካውንስል) ብወገኑ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታቱ፡ ኣብ ሓደ ናይቲ ትካል ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዝነበሩ 3 ዋርድያታት ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።
ኣበይ፡ ብኸመይን ብመንን ከምዝተቐትሉ ግን ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ኣይጠቐሰን።
እቶም ኣብ ቅድመ-ግንባር ኮይኖም ዝሰርሑ ኣባላቱ፡ ኣብ ባይታ ሓገዝ ንክበጽሕ ቀንዲ መትኒ ምዃኖም ዝገልጽ ኣህጉራዊ ትካል ድሕነት ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት መሰመራት መራኸቢታት ስለዝተቛረጸ ዝኾነ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ኣብሪሁ።
ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት ቴለፎንን ኢንተርነትን፡ ኣብቲ ግጭት ክንደይ ኣባላት ናይቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታትን ሲቪላውያንን ከምዝተቐትሉ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ኣስታት 50,000 ሰባት ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።
ኣህጉራዊ ትካል ድሕነት፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝርከቡ 96,000 ስደተኛታት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ናይ ጽሬት ናውትን ኣገልግሎት ትምህርትን ንክረኽቡ ክሕግዝ ዝጸንሐ ማሕበር ግበረ-ሰናይ እዩ።
ክልቲኦም እቶም ኣብ ትግራይ ኵናት ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት፡ ኲናት ደው ኣቢሎም፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክኽትሙ፡ ድሕነት ውሃብቲ ረዲኤትን ስደተኛታትትን ከውሕሱን፡ ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ረዲኤት ንኽበጽሕ መስመር ንክኽፈትን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ዋላ'ኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ብ4 ሕዳር ዝኣወጆ ወታሃደራዊ ስርሒታት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ትግራይን "ሓሓሊፉ ምርጻም" ከምዘሎ ኣፈኛ መንግስቲ ተኣሚኑ።
ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ ኲናት ዝተቐርቀሩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት መግብን መድሃኒትን ዝርከብዎም መሰረታውያን ነገራት ይውድኡ ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ መንግቲ ኢትዮጵያ፡ ህጹጽ ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ከፍቅድ፡ ክጽውዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብቲ ክልል ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ምግሃስ መሰላት ኣሻቓልዎ ከምዘሎ'ውን፡ ትካል ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዛሪቡ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







