ኩነታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዘሻቕልን ተኣፋፍን ምዃኑ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኣብ ኣዝዩ ዘሻቅልን ተኣፋፍን ኮይኑ ከምዘሎን፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ይጠሓሱ ከምዘለዉን ገሊጻ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዘብቀዐ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ከባብታት መቐለ፣ ሸራሮ፣ ኣክሱም፣ ዓብይ ዓዲን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራልን ትግራይን ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሓይሊ ዕማም ህጹጽ እዋን ረድዋን ሑሴን'ውን ''ውሑዳት ኣብ ቁጽጽር ዘይኣተዉ'' ሓይልታት ከምዘለው ገሊጹ ነይሩ።
ሚሸል ባቸለት፡ "ኣቐዲመ ከምዘጠንቀቕክዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣሻቓልን ተኣፋፍን ኮይኑ፤ ኣብ ሰላማውያን ሃስያ የውርድ ኣሎ። ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ይፍጸም ከምዘሎ ኣረጋጊጽና ኢና'' ኢላ።
እታ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ጭውያን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝተፈጸሙ ዘረጋግጹ ሓበሬታት ኣለዉና ክትብል ተዛሪባ።
መንእሰያት ትግራይ ኣንጻር ማሕበረሰቦም ክዋግኡ በስገዳድ ይምልመሉ ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ ኣሻቒልዋ ከምዘሎ'ውን ጠቒሳ።
ኣብ ትግራይ መራኸብታት ኢንተርኔትን ስልክን ብምቁራጾም፡ ናብተን ዝተሃስያ ከባብታት ብምእታው፡ ነቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት ንምርግጋጽ ተጸጊሙ ከምዘሎ እቲ ንሳ ትመርሖ ትካል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቶም ኣብ ትግራይ ይፍጸሙ ኣለው ዝበሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕጹጽ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩ፣ ሰለማውያን ሰባት ሓለዋ ክግበረሎምን ተሓታትነት ክህሉን እቲ ትካል ጸዊዑ'ሎ።
ሰብኣዊ ቅልውላው
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ንምብጻሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰማሚዑ ምንባሩ ይፍለጥ። እንተኾነ: እቲ ትካል ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ዝተሃሰያ ከባብታት ረድኤት ንምቕራብ ዝገበሮ ጻዕሪ ተዓናቒፉ ከምዘሎ ይገልጽ።
ብሰንኪ እዚ ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ሰጊሮም ከምዘለውን፡ እቶም ተመዛበልቲ ድማ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከምዝርከቡ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር ጸኒሑ'ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ትካል፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ብሄር መሰረት ብምግባር፡ ተጋሩ ካብ ስርሖም ይስጎጉ ከምዘለዉን፡ ኣንጻር ተጋሩ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ይላባዕ ከምዘሎን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣሎ ንዝብል ክሲ ዝነጸጎ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ውልቀ ሰባት ተሞርኪሶም ዝተወሰዱ ስጉምትታት ድማ ምእንቲ ድሕነት ተባሂሉ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







