ኣብ ትግራይ ኣብ ቀይዲ ዝቐነዩ ምክትል ኣዛዚ ሰሜን እዚ ዝርከቦም ሰራዊት ተለቒቖም

ምንጪ ስእሊ, ENA
ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝቐነዩ ኣስታት ሓደ ሽሕ ማእኸላይን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ከም ዝተለቐቑ ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ።
ምስቲ ኣብ 3 ታሕሳስ 2020 ዝተላዕለ ጎንጺ ተኣሳሲሩ፡ ብሓይልተት ጸጥታ እቲ ክልል ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተታሒዞም ዝቐነዩ እዞም ኣዘዝቲ ሰራዊት ሰሜን እዚ፡ 'ምክልኻል ሃገር ምስ ፌዴራል ፖሊስ ብዘካየድዎ ስርሒት ነጻ' ወጺኦም ክብሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሖም።
እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ስርሒት ካብ ወገን ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
ካብ መንጎ እቶም ዝተለቐቑ ምክትል ኣዛዚ ሰሜን እዚ ብርጋዴር ጀነራል አዳምነህ መንግስቴ ከም ዝርከቦም፡ ኢዜኣ ንዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ኢንዶክትሪኔሽን ሃገር ምክልኻል፡ ጀነራል መሐመድ ተሰማ ጠቒሱ ጸብጺቡ።
እቲ ሓላፊ እቶም ኣባላት ሃገር ምክልኻል 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ንድራር ተባሂሎም ምስ ተወስዱ ከም ዝተዓፈኑ እዩ ዝዛረብ።
ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ናብ ዝኸድዎ ቦታት ሒዞምዎም ይንቀሳቐሱ ከም ዝነበሩ ውን ተገሊጹ።
እቶም ኣዘዝቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ጉድኣት ከም ዘይበጽሖም ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ ድማ፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







