ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ናይ መርበብ ሓበሬታ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኢትዮ-ቴሌኮም ሓቢሩ

ኢትዮ-ቴሌኮም

ኣብ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ጎንጺ ድሕሪ ምውልዑ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም እተቛረጸን፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ናይ መርበብ ሓበሬታ መጥቃዕትን ኣገልግሎት ናይ ምትዕንቓፍ ፈተነታትን ከም ዝፈሸለ ኣገልግሎት ቴለኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል፡ ኩሎም መስመራት መራኸቢታት ብምዕጻዎም፡ ኣብቲ ክልል እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ኣቐዲሞም መንግስቲ ፈደራልን፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ምንባሮም ይዝከር።

ሰራዊት ፌደራል፡ ናይቲ ክልል ርእሰከተማ መቐለ እትርከቦም ቀንዲ ከተማታት ተቖጻጺሩ ይርከብ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ እቲ ትካል፡ ፍሬህይወት ታምሩ፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብ4 ሕዳር፡ (24 ጥቅምቲ) ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ልክዕ ሰዓት 12፡37 ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ምቁራጹ ሓቢራ።

እቲ ትካል ከም ዝበሎ፡ ጠንቂ ናይቲ ምቁራጽ፡ "ኣብ መቐለን ሽረን ዝርከቡ ዋና መደበራት ዝነበሮም ኣማራጺ ናይ ርክብ መስመራት ብምልኡ ብምቁራጹን ካብ ዋና ምንጪ ጸዓት ዝነበረ ናይ ጸዓት ቀረብ ከም ዝቋረጽ ስለእተገበረ" ምዃኑ ገሊጹ።

ብዘይካ ምቁራጽ ኣገልግሎት፡ ኣብ ስርዓተ ኮምፕዩተርን መርበባት ሓበሬታን መንግስቲ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ፋይናንስ፡ መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ቴሌኮም ስርዓታታትን ሰፊሕ ፈተነ መጥቃዕቲ መርበብ ሓበሬታ ከም እተኻየደ ኢትዮ-ቴሌኮም ወሲኹ ሓቢሩ።

ፍሬህይወት ታምሩ

ምንጪ ስእሊ, Ethio telecom

እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈጸመ ግን ኣየነጸረትን። መራሕቲ ትግራይ ንኣገልግሎት ቴለፎንን ኢንተርነትን ምዕጻዎም ሰብመዚ ፈደራል ይኸሱ።

ኣብ መቐለን ሽረን ዝርከቡ ቀንዲ ማእከላት ምቁራጽ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኽሳቱ፡ ዝኾነ ጸገም ከስዕብ ዝኽእል ዝኾነ መረዳእታ ከም ዘይነበረን ምቁራጽ ጸዓት ድሕሪ ምኽሳቱ'ውን ኣብቲ ማእከላት ዝነበሩ ጀነሬተራት ዝኾነ ጸገም ከም ዘይነበሮም ዝሓበረት እታ ዋና ኣካያዲት ስራሕ፡ እቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ'ዩ ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣብ ዝተኸሰተሉ መዓልቲ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዘይኮኑ ኣካላት ኣብ ዞባ ሰሜን ኣብ ዝርከቡ ናይ መቐለን ናይ ሽረን ዋና መደበራት ብምእታው ኣገልግሎት ናይ ምቁራጽ ተግባራት ከም ዝፈጸሙ ካብ ናይ ድሕነት ካሜራታት ዝተረኽበ መረዳእታ ከም ዘመላኸተ ገሊጻ።

ኢትዮ-ቴሌኮም ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብ ናይ ድሕነት ካሜራታት ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘርጊሑ። እቲ ምቁራጽ ኣገልግሎት ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መርበብ ክበጽሕ ንዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ጻዕርታት ከምእተገብረ'ውን ጠቒሱ።

ድሕሪ ምቁራጽ እቲ ኣገልግሎት፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ንፌደራል ፖሊስ ከም ዝተዋህበ ዝገለጸት እታ ዋና ኣካያዲት ስራሕ፡ እቲ መርመራ ምስ ተዛዘመ ዝርዝራቱ ከም ዝግለጽ ተዛሪባ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ከባቢ መቐለ ካብ ኣፍልጦ ኢትዮ-ቴሌኮም ወጻኢ፡ ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ፡ ናብቲ ስርዓተ ቴለኮም ንምእታው ፈተነ ከም ዝተገበረን፡ ናይ ሞባይል ናይ ድምጺ ኣገልግሎት ንምጅማር ፈተነ ከም እተገበረ ብምግላጽ ነዚ'ውን መርመራ ይግበረሉ ከም ዘሎ ሓቢራ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ነቲ ኣገልግሎት ቴለኮም ዳግማይ ናብ ስራሕ ንምምላስ ጻዕርታት ይካየዱ ኣለዉ።

ጉድኣት ዝበጽሖም መስመራት ብምጽጋንን ኣማራጺ ምንጪ ጸዓት ብምጥቃምን፡ ኣብ ዳንሻ፡ በተርካ፡ ሑመራ፡ ሽራሮ፡ ማይጸብርን ማይካድራን ከምኡ'ውን ኣብ ኮረም ከፊላዊ ኣገልግሎት ምጅማር ከም ዝተኽኣለ ሓቢራ።

ኣብ ክልል ትግራይ ንሰሙናት ተቛሪጹ ዝርከብ ኣገልግሎት ቴሌኮም ምሉእ ብምሉእ ንምጅማር'ውን፡ ሰፊሕ ጻዕሪ ይግበር ምህላው እታ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ገሊጻ።