ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ናብ ንቡር ክምለስ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ ተኸፊቱ’ሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ መስመራት ‘ዋይ-ፋይን’ ብቐጥታ ብገመድ ዝወሃብ (ብሮድባንድን) ኣገልግሎት ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኢንተርነት ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ (ብሄራዊ) ግጭት የባልሕ ብምንባሩ ከም ዝተዓጽወ ሰብመዚ ተዛሪቦም።
እዚ ናይ ሕጂ ምቁራጽ ኢንተርነት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር እቲ ዝነውሐ’ዩ ነይሩ።
ጠንቂ ናይቲ ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ዝሰዓበ ናዕቢ፡ ገለ መንእሰያት ነቲ ናብ ኣምቦ ዝኸይድ ዝነበረ ሬሳ ናይቲ ድምጻዊ ቋንቋ ኦሮሞ ብሓይሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም’ዩ። እቶም መንእሰያት ኦሮሞ፡ ኣብታ ‘ፊንፊነ’ ኢሎም ዝጽውዕዋ ኣዲስ ኣበባ ክቕበር’ዮም ዝጠልቡ ነይሮም።
ብጠለብ ቤተሰቡ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንምዕራብ ውጽእ ኢላ እትርከብ ከተማ ኣምቦ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተፈጺምሉ’ዩ።
ኣብቲ ዝሰዓበ ግጭት፡ ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም 200 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ ይገልጹ።
ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ብውሕዱ 5000 ሰባት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ምስቲ ናዕብታት ብዝተኣሳሰር ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን፡ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ወጥሪ’ውን ዓሪጉ’ሎ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ንመደበራት ቴለቪዥን ትግራይ ካብ ኣየር ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ናይ ቃላት ወግእ ተኸፊቱ’ሎ። ብኻልእ ኣድራሻ ኣገልግሎት ክህባ ጀሚረን ከምዘለዋ’ውን ተፈሊጡ።
ሰብመዚ መንግስቲ፡ ንኦነግ ሸኔን፡ ህወሓትን ብድሕሪ’ቲ ናዕቢ ኣለዉ ብምባል ክነቕፉ ጸኒሖም ኣለዉ። መራሕቲ ህወሓት ግን፡ ውድቦም ኣብቲ ቅትለት ይኹን ዝሰዓበ ናዕቢ ኢድ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







