ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ሩስያ መርመራ ኮቪድ ምግባር ምእባዩ ሩስያ ሓቢራ
![ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን [ጸጋማይ] ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮን [የማናይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/EEC3/production/_123232116_4a78b696-dfb0-482a-955b-52d960d0157f.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማንኤል ማክሮን ቅድሚ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን ምርኻቡ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብር ንዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝነጸጎ ሩስያ ገሊጻ።
ብወገን ፈረንሳ ኣብ ዝተውሃበ ሓበሬታ፡ እቲ ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን ክምርመር ብሩስያ ዝቐረበ ሕቶ ዘይፕሮተኮላዊ ምንባሩ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን፡ ሩስያውያን መርመራ ኮቪድ-19 ኣምሲሎም ናቱ ስነ ተወርሰኣዊ [ዲኤንኤ] ከይወስድሉ ብምስጋእ ከምዝተሓሰመ እዩ ጸብጻባት ዝወጽእ ዘሎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ብሰኑይ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ከይተጨባጡ፡ ኣብ ሞንግኦም ናይ ኣርባዕተ ሜትሮ ጣውላ ገይሮም ብኣካላዊ ምርሕሓቕ ከምዝተዘራረቡ ተሓቢሩ።
ገለ ናይ ፈረንሳ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ግን፡ ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን ናብ ቭላዳሚር ፑቲን ንኽቀርብ ብናይ ሩስያ መመርመሪ ኮቪድ 19 ክምርመር ከምዘሎ ከምዝተሓበሮ’ዩም ዝገልጹ።
ሓደ ካብቶም ንሮይቶረስ ሓበሬታ ዝሃበ ፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ “ኢድ ንኢድ ምጭብባጥ ከምዘይህሉ ተረዲእና እዩ፡ ናይ ፕረዚደንትና ዲኤንኤ ክወድሱ ኸኣ ፍቓደኛታት ኣይኮንና” ኢሉ።
እንተኾነ እቶም ናይ ፈረንሳ ዲፕሎማሰኛታት፡ ሩስያ ናይ ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን ዲኤንኤ ናይ ምውሳድ ውጥን ከምዝነበራ ዘርኢ መርትዖ ከቕርቡ ኣይክኣሉን።
ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ሩስያ [ክረምሊን] ብወገኑ ፕረዚደንት ኢማንኤል ማክሮን መርምራ ኮቪድ 19 ምግባር ስለዝተሓሰመ እቲ ርክብ ብኣካላዊ ርሕቀት ክካየድ ከምዝተወሰነ ገሊጹ።
ውሃቢ ቃል ክረምሊን ዲመትሪ ፐስኮቭ፡ መርግጺ ፈረንሳ ከምዝርድኦ ብምግላጽ፡ ውሳነ ፈረንሳ ንርክብ እቶም ክልተ መራሕቲ ዝዕንቕፍ ከምዘይነበረ ኣብሪሁ።
ኢማንኤል ኢማክሮን፡ ቅድሚ ናብ ሩስያ ምብጋሱ መርመራ ከምዝገበረ’ውን ተሓቢሩ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ናብ ሩስያ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ብተመሳሳሊ ምስ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን ኢድ ንኢድ ከይተጨባበጡ ኣብ ሞብጎኦም 4 ሜትሮ ጣውላ ገይሮም’ዮም ዘትዮም።
ፕረዚደንት ቫላዳሚር ፑቲንን ኢማንኤል ማክሮንን ንወጥሪ ዩክረይን ኣመልኪቶም ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ምይይጥ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።
እንተኾነ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ርክብ ፑቱንን ማክሮንን፡ ፕረዚደንት ፑቱን ንፕረዚደንት ካዛኪስታን ካሲም ጆማርት ቶካየቭ ብኣካል ረኺቡ፡ ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም ኣብ ሞንጎኦም ሓንቲ ንእሽተይ ጣውላ ገይሮም እናኣዕለሉ እንከለዉ ኣብ ማዕከናት ዜና ተራእዩ’ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







