ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ልዕሊ 900 ስደተኛታት ብመትረብ ናብ እንግሊዝ ሰጊሮም

ስደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት፡ ልዕሊ 900 ስደተኛታት ጥራሕ ነኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒሞም ንካነል (መትረብ ) እንግሊዝ ከምዝሰገሩ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጥራይ ብ19 ነኣሽቱ ጀላቡ ዝተጸዓኑ 559 ሰባት ኣብ ገማግም ኬንት ምስበጽሑ ክውሰዱ ከለዉ ብዓርቢ ድማ ኣብ 10 ጀላቡ ዝተሳፈሩ 358 ሰባት ተረኺቦም።

ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣብቶም ክልተ መዓልታት ብካነል እንግሊዝ ንምስጋር ክብገሱ ንዝሓሰቡ 564 ስደተኛታት ከምዝገትኡ ይገልጹ።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 27,700 ስደተኛታት ነኣሽቱ ጀላቡ እናተጠቐሙ በቲ መትረብ ዝሰገሩ ኮይኖም፤ እዚ ብዝሒ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት [2020] ክነጻጸር ከሎ ልዕሊ ሰለሰተ ዕጽፊ ይበጽሕ። ኣብቲ ዓመት ዝሰገሩ 8,400 ስደተኛታት’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ካነል ክሰግሩ ዝፈተኑ 27 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ይዝከር።

በቲ ሓደጋ ድማ ሰለስተ ህጻናት፣ ሓንቲ ነብሰጾር ትርከበን ሸውዓተ ደቂኣንስትዮን 17 ደቂተባዕትዮን ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ።

ሓደ ካብ ተቖጻጸርቲ መትረብ ዝኾነ ዳን ኦማሃኒ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ህልቂት ነቲ ካነል ምስጋር ምፍታን ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝኾነ ዘዘኻኽረና እዩ። ብድሕሪ እዚ ገበናት [ስደተኛታት ኣብ ምስግግጋር] ዘለዉ ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ምስ ኣውሮጳውያንን ካልኦት ዓለምለኻዊ መሻርኽትናን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።

“እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ዝተጎጀሉ ገበነኛታት ሎሚ’ውን ካልኦት ስደተኛታት ክሰግሩ ብምግባር ነቲ ቀታሊ ዝኾነ ንግዲ ቀጺሎምሉ ኣለዉ” ክብል ተዛሪቡ።