ስደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ሴኔጋል 140 ስደተኛታት ምጥሓሎም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ገማግም ሰኔጋል 200 ስደተኛታት ጽዒና ናብ ኣውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 140 ከም ዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እታ ካብ ማቡር ዝተባህለት ከተማ ናይታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ሰኔጋል ብቀዳም ዝተበገሰት ጃልባ ነዊሕ ከይከደት ኣብ ውሽጢ እታ ጃልባ ባርዕ ከም ዝጀመረን ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ 60 ከም ዝደሓኑን ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት ንደሴታት ካናሪ ናይ ስጳኛ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝሓሰቡ ከም ዝኾኑ እዩ ዝንገር ዘሎ።
እዚ መስመር እዚ ካብ 2018 ጀሚሩ ብዙሓት ስደተኛታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ንምእታዉ ክጥቀምሉ ዝጸንሑ እዩ።
እዚ ብቀዳም ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ናይ ጃልባ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ባሕሪ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ሰኔጋል ወኪል ትካል ስደተኛታት ባክሪ ዳውብያ ብወገኑ "ኣብ ሞንጎ መንግስታትን መሻርኽቲ ኣካላትን ውህደት ብምፍጣር ኣብዚ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ ሰባት ደው ንኽብል ጸዊዕና ኣለና" ኢሉ።
ብመሰረት ካብ መንግስቲ ስጳኛ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብዚ ዓመት እዚ ልዕሊ 11,000 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መስመር ናብ ስጻኛ ከም ዝኣተዉን ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተዉ 2,557 ስደተኛታት ብምንጽጻር ኣብዚ ሎሚ ዓመት እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸን ይሕብር።
ኣብ 2006 ልዕሊ 35,000 በዚ መስምር እዚ ናብ ኣውሮጳ ብምእታዎም እዚ ቁጽሪ እዚ እቲ ዝልዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።
ኣብዚ ዓመት እዚ በዚ መስመር እዚ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ እቶም 414 ከም ዝሞቱ ኣይኦኤም ገሊጹ።
ኣብ 2019 ከኣ 210 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ከም ዝሞቱ ኣብሪሁ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







