ብፕሮፌሰር ኃይሌ ገሪማ ተፃሒፉ ዝተዳለወ ፊልም ‘ሳንኮፋ’ ኣብ ኔትፍሊክስ ክረኣይ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, ALBERTO PIZZOLI
ኣብ 1993 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ምርኢት ዝበቕዐ ፊልም ‘ሳንኮፋ’፡ ብኩባንያ ኣሬይ ኣቢሉ ካብ 14 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ኔትፍሊክስ ክረኣይ’ዩ።
ብፀለምቲ ሰብሞያ ፊልም ዝተሰርሑ ፊልምታት ብምድላውን ብምክፍፋልን ዝፍለጥ ኣሬይ፡ ፊልም ‘ሳንኮፋ’ ናብ ተመልከትቲ ከቕርብ ብኔትፍሊክስ ብምምራፀይ ኩርዓት ተሰሚዑኒ ኢሉ።
ብኃይሌ ገሪማ ተፃሒፉ ዝተዳለወ ‘ሳንኮፋ’፡ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተበጊሳ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ጊላ ብዛዕባ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ተሕልፎ መከራ ዘርእይ’ዩ።
ሳንኮፋ ናብ 4ኬ ፅሬት ምስሊ ክብ ዝበለ እንትኾን፡ ካብዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ኔትፍሊክስ ክረኣይ’ዩ።
ኣብ ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ዓባይብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ናብ ዝርከቡ ተመልከትቲ ከምዝቐርብ ድማ ተገሊፁ።
ናብ ምርኢት ምስበቕዐ ብዙሕ ሽልማታት ዝረኸበ ፊልም ሳንኮፋ፡ ዘከፋፍል ስለዘይረኸበ ግና፡ ኃይሌ ገሪማ ባዕሉ ናብ 35 ሃገራት ዘይሩ ከምዘርኣዮ ይግለፅ።
ኣብ 1982 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተለቐቐ ፊልም "ኣሽስ ኤንድ ኤምበረስ" እውን ቅድሚ ሕዚ ብኔትፍሊክስ ኣቢሉ ናብ ተመልከትቲ ቀሪቡ’ዩ።
ወዲ 75 ዓመት ኃይሌ ገሪማ ኣብ ከተማ ጎንደር ተወሊዱ ከምዝዓበየ ይዛረቡ።
ወላዲት ኃይሌ ገሪማ፡ ናይ ቀዳማይ ብርኪ ቤት-ትምህርቲ መምህር፣ ኣቡኡ ገሪማ ተፊካ ድማ፡ መዳለዊ ተዋስኦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዘ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕተት ተዛሪቡ።
ኣሰር ኣቡኡ ብምስዓብ ድማ፡ ናይ ኣቡኡ ትያትር ይለማመድ ኔሩ።
ድሕሪ እዚ፡ ኃይሌ ገሪማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ኃይለ ስላሰ ማእኸል ምህዞ ንሓፂር ግዘ ምስ ፀንሐ፡ ድራማ ከፅንዕ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዙ።
ካብ ኦፍ ካሊፎርኒያ ሎስ ኣንጀለስ ዩኒቨርሲቲ ማስተርስ ዲግሪ ምስሓዘ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆዋር ሙያ ፊልም ኣምሂሩ።
ኣወር ግላስ፣ ቻይልድ ኦፍ ሬነሰንስ፣ ሃርቨስት 3000፣ ዓድዋ፣ ቡሽማማ፣ ሳንኮፋን ጤዛን ፕሮፌሰር ኃይሌ ገሪማ ካብ ሞንጎ ዝሰርሖም ብዙሓት ስራሕቱ’ዮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







