ሽልማት ጉማ: ኣዘራራቢ መደረታትን ኣከዳድናን ስነጥበበኛታት ኢንዱስትሪ ፊልም ኢትዮጵያ

ሽልማት ጉማ

ምንጪ ስእሊ, GUMMA FACEBOOK PAGE

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም: ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ‘ሽልማት ጉማ’ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈለየ መልክዑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብፍላይ ኣብቲ መድረኽ ሽልማት ካብ ዝተዓወቱ ሰብ ሞያ ፊልም ሓደ ዝነበረ ኢሳያስ ታደሰ፡ ‘‘ ኣደይ ደም ንብዓት እናነብዐት፣ . . . . በዚ ሽልማት ክሕጎስ ኣይክእልን’’ ኢሉ ምዝራቡን ከምኡውን ኣከዳድና ገለ ዕዱማት እቲ መድረኽ ኣቃልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ፡፡

ብሽም እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ሕብራዊ ዝኾነ ብሚሸል ፓፓኪስ ዝተሰርሐ ፊልም ‘‘ጉማ’’ ዝተሰየመ መድረኽ ሽልማት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይ ላይት እዩ ተኻይዱ፡፡

በብዓመቱ ዝካየድ እዚ ሽልማት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣይተሳለጠን፤ ሎሚ ዘበን ግና ብድምቀት ተጸንቢሉ፡፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት: 45 ፊልምታት ንውድድር ዝቐረቡ ኮይኖም፡ ካዚኦም እቶም 15 ብዝተፈላለዩ 16 ምድባት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ነይሮም፡፡

በዓል ሞያ ፊልም ኢሳያስ ታደሰ እንታይ ኢሉ?

ኣብቲ መድረኽ ሽልማት፡ ብምድብ ሓጺር ፊልም፡ ሕጹይ ኮይኑ ዝቐረበ ናይ ኢሳያስ ታደሰ ‘ቀብድ’ ዝብል ፊልም ተዓዊቱ፡፡

ሽሙ ብመራሒ መድረኽ ተጸዊዑ ናብ መድረኽ ዝወጸ ኢሳያስ ድማ ብትግርኛ ሓጺር ዘረባ ኣስሚዑ፡፡

‘‘የቐንየለይ’’ ብምባል ዘረብኡ ዝጀመረ ኢሳያስ፡ በቲ ሽልማት ክሕጎስን ክብሪ ክስመዖ ይግባእ ከምዝነበረ ጠቒሱ፡ ‘‘ይኹን ዳኣምበር ኣደይ ደም ንብዓት እናነብዐት፣ ሓወይ ተቐቲሉ ናብ ገደል እናተወርወረ፣ እርምቲ ሓፍተይ ግዕዙያት እናደፈርዋ ኣብ ዘለሉ ግዜ፡ ታሕጓስ ክስመዓኒ፣ ክብሪ ክስመዓኒ . . . ዓቕሚ ይሓጽረኒ’’ ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ዘለዎ ስሚዒት ገሊጹ፡፡

‘‘ንብዓት ኣደይ እንትሕበስ፣ ክብሪ ዓደይ እንትምለስ ከርክበሉ እየ’’ ብምባል ሰላምን ራህዋን ንኹሉ ወዲሰብ ተመንዩ፡ ሽልማቱ ዓቲሩ ካብ መድረኽ ወሪዱ፡፡

ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ መድረኻት፡ ወቕታዊ ኩነታት፣ ፖለቲካዊ መርገጺን ካልኦት ዛዕባታትን ኣመልኪትካ ምዝራብ ሓድሽ ኣይኮነን፡፡

ኣብ ከም ኦስካር ዝበሉ ዓበይቲ ናይ ሽልማት መድረኻት፡ ተዓወትቲ ጥራሕ እንተይኮኑስ መራሕቲ መድረኽን ዕዱማትን ወሰንቲ ኣብ ዝበሃሉ ጉዳያት ዘለዎም ቅዋምን ነቐፌታን ከቕርቡ ይስምዑ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ: ቅትለት: ጾታዊ ዓመጽ: ጭውያን ዝምታን ዝርከብዎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኣሻቓሊ ብርኪ በጺሑ ከምዘሎ እዮም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝዛረቡ፡፡

በቲ 24 ጥቅምቲ 2013 (04 ሕዳር 2020) ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይን ዝተጀመረ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈጸመ ብምእማን፡ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡ ምሕባሩ ይዝከር፡

ኣከዳድና ዕዱማት

ኣብ መድረኽ ሻብዓይ ሽልማት ጉማ፡ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ተኸዲኖምዎም ዝነበሩ ኣልባሳት እውን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራረብቲ ኮይኖም ነይሮም፡፡

ኣብቲ ብዙሓት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ዝተዓደሙሉ መድረኽ፡ ውሑዳት ፍልይ ዝበሉ ባህላውን ዘበናውን ክዳውንቲ ተኸዲኖም ተረኺቦም፡፡

ብፍላይ ገሊኦም ዝተኸደኑዎም ዝበሉ ክዳውንቲ ብዙሓት እንትንእድዎም፡ ገሊኦም ድማ ወቐሳ ዝሓዘሉ ርእይቶታት በጺሕዎም፡፡ ገሊኦም፡ 'ክሽፈን ንዝነበሮ' ኣካላቶም ዘርኢ ብምኽዳኖም'ዮም ተነቒፎም።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን ብዙሓት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይምግባሮም ካልእ መዘራረቢ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ነይሩ፡፡

ኣብ ሽልማት ጉማ፡ ኣየኖት ፊልምታት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም?

ንሽልማት ፊልም ጉማ ዘዳሉ፡ ኢትዮ ፊልም ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር፡ ዕላማ እቲ መድረኽ ‘‘ጽቡቕ ብቕዓት ንዘርኣዩ ፊልምታትን ተዋሳእትን ክብርን ኣፍልጦን ምሃብ’’ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡

ኣብዚ መድረኽ፡ ካብ ዝተወዳደሩ 45 ፊልምታት እቶም 15 ብ16 ምድባት ተሓጽዮም ነይሮም፡፡

ካብዚኦም ‘‘ኣንሳሮ’’ ዝብል ናይ ምስግና ኣጥናፉ ፊልም ኣብ 13 ምድባት ተሓጽዩ ነይሩ፡፡

ከምኡ ድማ ‘ቁራኛዬ’ ኣብ 12፣ ‘ተፈጣሪ’ ኣብ 10፣ ‘ሶስተኛ ኣይን’ን ‘ወጣት ኣብ 97’ን ኣብ7፣ ‘ሱማሌው ቫንዳም’ ኣብ 6 ምድብ ተሓጽዮም ነይሮም፡፡

እቲ ውድድር ብምእላይ (ዳይሬክቲንግ)፣ ሲኒማቶግራፍን (ስእልን ቀረጻን) ከምኡ'ውን ምውሳእን ሓዊሱ ብሓፈሻ ብ18 ክፍልታት እዩ ተኻይዱ፡፡