ብሉ ኦሪጂን፡ ቢልዮነር ጀፍ ቤዞስ ናብ ህዋ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ሓደ ኮተቴ ክማላእ እዩ

ኦሊቨር ዴመን

ምንጪ ስእሊ, Blue Origin

መግለጺ ስእሊ, ኦሊቨር ዴመን ወዱ ንዋና ኣፈጻሚ ስራሕ 'ሶመርሰት ካፒታል ፓርትነርስ'፡ ጆ ዴመን እዩ።

ሓደ ወዲ 18 ዓመት ኮተቴ ምስ ጀፍ ቤዞስ ናብ ህዋ ንምብራር ኣንቂዱ ብምህላው ታሪኽ ክሰርሕ ይቀራረብ ኣሎ።

ወናኒ ኣማዞንን ኣብ ዓለም ዝሃብተመ ሰብ ዝኸነን ጀፍ ቤዞስ ባዕሉ ብዝሃነጻ መንኮርኮር 20 ሓምለ ናብ ህዋ ክበርር እዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ጀፍ ቤዞስ ናብ ህዋ ንምብራር ኣብ ዝወጸ ህዝባዊ ጨረታ ሓደ መንነቱ ዘይተገለጸ ሰብ ብ 28 ሚልዮን ዶላር ምዕዋቱ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ተዓዋቲ እቲ ጨረታ፡ መዓልቲ እቲ በረራ ምስ ካልእ መደባት ስለዝተጋጨዎ፡ ኦሊቨር ዴመን ዝተባህለ ኮተቴ ኣብ ክንድኡ ክበርር ከም ዝተገበረ እቲ ነታ መንኮርኮራ ዘማዕበለ ብጀፍ ቤዞዝ ዝውነን ትካል ብሉ ኦሪጅን ኣፍሊጡ።

እቲ ኮተቴ ወዱ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ 'ሶመርሰት ካፒታል ፓርትነርስ'፡ ጆ ዴመን እዩ።

ሚስተር ዴመን ምስታ ካልኣይቲ በረራ ስፍራ ኣውሒሱ ዝነበረ'ኳ እንተኾነ፡ ተዓዋቲ ናይታ ቀዳመይቲ በረራ ካብቲ ጨረታ ብምንስሓቡ ምስታ ቀዳመይቲ ክበርር ከም ዝተገብረ ትካል ብሉ ኦሪጅን ሓቢሩ። በዚ ድማ እዩ ሚስተር ዴመን ነቲ ተማሃራይ ፊዚክስ ዝኾነ ወዱ ክልእኽ ወሲኑ።

ብዘይካኡ ኣብታ መንኮርኮር ወዲ 82 ዓመት ዋሊ ፋንክ፡ ጆፍ ቤዞስን ሓውን ክበርሩ እዮም።

እዚ ክውን ምስ ዝኸውን፡ ዋሊ ፋንክ ዝዓበየ ናብ ህዋ ዝበረረ ሰብ ኮይኑ ክምዝገብ እዩ።

ሚስተር ዴመን ነቲ ጨረታ ብኽንደይ ገንዘብ ከም ዝተዓወተሉ ኣይተሓበረን።

ብሉ ኦሪጅን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኮተቴ "ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ ብዛዕባ ህዋ፡ ወርሕን ሮኬታትን ፍሉይ ተገዳስነት" ከም ዝነበሮ ብምግላጽ ሕልሙ ጋህዲ ክኸውን ምዃኑ ሓቢሩ።

እታ 20 ሓምለ እትውንጨፍ መንኮርኮር ካብ መሬት 100 ኪሜ ብራኸ ብምብጻሕ፡ ተሳፈርታ ስሕበት መሬት ዘይብሉ ኩነት ክሙከሩ ክተኽእል እያ።

ብድሕሪ እዚ፡ እታ መንኮርኮር ጋንጽላ ብምጥቃም ናብ መሬት ክትምለስ እያ። እቲ መገሻ ኣስታት 10 ደቓይቕ ክወስድ ትጽቢት ይግበር።

ጀፍ ቤዞስ ኣብ 2000 እዩ ንትካል ብሉ ኦሪጅን መስሪቱ፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ፡ ምስ ሓው ብምዃን ኣብቲ ፈላሚ በረራ ናብ ህዋ ክገይሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቢልዮነር ሰር ሪቻርድ ብራንሰን ብናይ ባዕሉ መንኮርኮር ቨርጂን ጋላክቲክ ናብ ጥርዚ ህዋ በጺሑ ከም ዝተመለሰ ዝዝከር እዩ።