ምስ መስራቲ ኣማዞን ኣብ ህዋ ዝዛውን ሰብ 28 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምስ መስራቲ ኩባንያ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ሓቢርካ ኣብ ህዋ ንምብራር ወጺኡ ዝነበረ ጨረታ ሓደ ውልቀ ሰብ ብ28 ሚልዮን ዶላር ተዓዊቱ።
ብቢልየነር ጄፍ ቤዞስ ዝውነን ትካል ብሉ ኦሪጅን ትማሊ ቀዳም ኣብዘካየዶ ጨረታ ምስ እቲ ሃብታም ዓለም ኮይኑ ኣብ ህዋ ዝዛውን ሰብ መን ምዃኑ ተፈሊጡ።
መንነት ናይቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ ዛጊድ ዕላዊ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ብወግዒ ክፍለጥ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብቲ ጨረታ ዜጋታት 140 ሃገራት ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ። ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ መፋርቕ ሓምለ ከምዝካየድ ዝተዘረበሉ ናይ ህዋ በረራ ሓው ጄፍ ቤዞስን ሽሙ ዘይተገለጸ ናይ ህዋ ዑደተኛ ክሳተፉ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።
መጠን ናይ ጨረታ ገንዘብ ኣብቲ ንክልተ ወርሒ ክፍቲ ኮይኑ ዝጸንሐ ጨረታ፡ ትሕቲ 5 ሚልዮን ዝነበረ ኮይኑ ድሓረ እቲ ጨረታ ብኢንተርኔት ምስተቓልሐ ግን እቲ መጠን ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ።
ካብቲ ጨረታ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ኢንቨስትመንት ኩባንያ ብሉ ኦሪጅን ክውዕል’ዩ ተባሂሉ’ሎ።
ጄፍ ቤዞስ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ውሩያት ሃብታማት ቀዳማይ ኮይኑ ዝተጻረየ 186.2 ቢልዮን ዶላር ከምዘለዎ ፎርብስ ዝተብሃለ መጽሄት ዕላዊ ከምዝገበረ ይፍለጥ።
ጄፍ ቤዞስ ብዛዕባ እቲ ናይ ህዋ ጉዕዞ ኣመልኪቱ ኣብ ናይ ውልቁ ኢንስታግራም “ኣብ መፋርቕ ሓምለ ምስ ሓወይን ናይ ልቢ መሓዛይን ማርክ፡ ፍስሃ ወ ደስታ ዝተመልኦ ናይ ህዋ ጉዕዞ ክንገብር ኢና” ዝብል ጽሑፍ ጠቒዑ።
ሓው ጄፍ ቤዞስ ማርክ ብወገኑ እቲ ናይ ህዋ በረራ “ፍሉይ ዕድል” ክብል ገሊጽዎ።
ኩባንያ ብሉ ኦሪጅን ንተሳፈርቲ ካብ መሬት ንኣንፈት ሰማይ ልዕሊ 100 ኪሎ ሜትር ብምውሳድ ናይ መርየት ስሕበት ናብ ዘይብሉ ቦታ ኣብጺሑ ክዘናግዑ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።
ዑደቶም ምስ ዛዘሙ ናብ መሬት ብፓራሾት ዝመልሶም ኮይኑ ክሳብ 10 ደቂቓ ዝወስድ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







