ቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት ኣብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ 'ኽሳዱ ወጊኡ'

ምንጪ ስእሊ, spring96.org
እዚ ጽሑፍ ንገለ ኣንበብቲ ረባሺ ክኸውን ዝኽእል ዝርዝራት ኣለዎ።
ቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት ኣብ ሚንስክ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ክሳዱ ብምውጋእ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጉድኣት ከም ዘብጽሐ፡ ተሓለቕቲ መሰላትን መራኸቢ ብዙሓንን ጸብጺበን።
ኣብቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ስተፓን ላቲፖቭ ብሰሉስ ብርዒ ብዝመስል ነገር ተጠቂሙ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጉድኣት ድሕሪ ምፍጻሙ ክወድቕ ይርአ።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ ናብ ሆስፒታል ዝተወስደ ላቲፖቭ ድሕሪ ዝተኻየደሉ መጥባሕቲ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዝርከብ ተገሊጹ።
ንሱ፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጻት ብምኽፋትን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ብምሕንጋድን እኳ እንተተኸሰሰ፤ ነቲ ክስታት ኣይቕበሎን።
ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ሚኒስክ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ኣቡኡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ቃል ምስክርነት ድሕሪ ምሃቡ ላቲፖቭ ንገዛእ ክሳዱ ከም ዝወግአ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ቪያስና ይገልጽ።
እቲ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ወሲኹ፡ ላቲፖቭ ገበነኛ ምዃኑ እንተዘይተኣሚኑ እቶም ኣፈጸምቲ ሕጊ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከብጽሑሉ ምዃኖም ከም ዘፈራርሕዎ ንኣቦኡ ክነግር ከም እተሰምዐ ሓቢሩ።
ተቓዋሚ ሰልፊ ቤላሩስ ኔክስታ፡ ላቲፖቭ ኣብቲ ቤትፍርዲ ኣብ ሰድያ ተጋዲሙ ዘርእይ ቪድዮ ብቴለግራም ክዝርግሕ እንከሎ፤ ድሕሪ ዝተገብረሉ መጥባሕቲ ጥዕንኡ ኣብ "ኣዕጋቢ" ኩነታት ምንባሩ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ቤላሩስ ብወገኑ እቲ ወዲ 41 ዓመት ድሕሪ ዝተገብረሉ ሕክምና ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘሎ ምሕባሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እቲ ሚኒስትሪ መንነት እቲ ሰብ ግና ኣየነጸረን።
መራሒት ተቓውሞ ቤላሩስ ስቬትላና ቲካኖቭስካያ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ "ቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት እሱር ፖለቲካ ስተፓን ላቲፖቭ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ጎረርኡ ቖሪጹ። ንሱ ገበነኛ ምዃኑ እንተዘይተኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ስድርኡ ጉድኣት ከም ዝበጽሕ ብኣኽበርቲ ሕጊ ምፍርራሕ በጺሕዎ'ዩ" ኢላ።
ብኻልእ ወገን፡ ቤላሩስ ወላ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ዜጋታታ ንወጻኢ ሃገር ከይገሹ ንግዚኡ ኣጊዳ ኣላ።
ድሕሪ እቲ ኣካታዒ ምርጫ ብዙሓት ቤላሩሳውያን ሃገሮም ሓዲጎም ናብ ወጻኢ ሃገራት ኣምሪሖም እዮም።
ነቲ ምርጫ ከም እተዓወተትሉ እትገልጽ ቲካኖቭስካያ ምስ መሳርሕታ ኣብ ሊቱወንያ እያ ዘላ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







