ሓይልታት ምዕራብ ‘ብመጭወይቲ’ ነፋሪት መገዲ ኣየር ራያን ቁጥዐኦም ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ይገልጹ

ሮማን ፕሮታሰቪች፡ 2017

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሃገራት ምዕራብ፡ ቤላሩስ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ኣህጉራዊ በረራ ንዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ብምግዳዳ ቁጥዐኦም ገሊጾም።

መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ "መጭወይቲ" ዝበልዎ ጉዳይ ግብረመልሲ ንምሃብ ክዝትዩ መደብ ክተሓዝ እንከሎ፡ ኣመሪካ ብወገና ነቲ ተግባር "ዘሰንብድ" ክትብል ገሊጻቶ ኣላ።

እታ ንቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት ጽዒና ናብ ሊቱወንያ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ራያን ቦምባ ኣለዋ ብዝብል'ዩ ብሰንበት ኣብ ሚንስክ፡ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ክትዓልብ ተገዲዳ።

እታ ነፋሪት ድሕሪ ምዕላባ፡ ሰብ መዚ፡ ንቤላሩሳዊ ጋዜጠኛን ጎስጓስን ሮማን ፕሮታሰቪች ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

እቲ ወዲ 26 ዓመት ጋዜጠኛ ዝጓዓዘላ ዝነበረ ነፋሪት መገዲ ኣየር ራያን ካብ ኣቴንስ ናብ ርእሰ ከተማ ሊቱወንያ፡ ቪልንየስ ትበርር ዝነበረት ኮይና፡ ሰብ መዚ ቤላሩስ ናይ ውግእ ነፋሪት ብምልኣኽ ነታ ተጓዓዝቲ ነፋሪት መገዳ ቀዪራ ኣብ ሚንስክ ክትዓልብ ኣገደዲዶምዋ።

line

ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ብቐጥታ ነቲ ትእዛዝ ከም ዝሃበ መንግስታዊ ማእከን ዜና ቤላሩስ ሓቢራ። ድሒሩ ግና እቲ ናይ ቦምባ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ተቓሊዑ።

እታ ነፋሪት ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ሰዓታት ምድንጓይ ኣብቲ ዝተመደበትሉ ከተማ ቪልንየስ በጺሓ።

ካብ 1994 ጀሚሩ ንቤላሩስ ዝመርሐ፡ ወዲ 66 ዓመት ሚስተር ሉካሼንኮ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዝተገብረ ኣካታዒ ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ ልዕሊ ድምጽታት ተቓውሞ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።

ብዙሓት መራሕቲ ውድባት ተቓውሞ ክእሰሩ እንከለው፡ ካልኦት ናብ ስደት ኣምሪሖም።

መራሕቲ ሃገራት እንታይ ይብሉ ኣለው?

እቲ ተግባረ ካብ መላእ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተሪር ኩነኔ ከስዕብ እንከሎ፡ ሚስተር ፕሮታሰቪች ብቕልጡፍ ክፍታሕን ምሉእ መርመራ ክካየድን ሃገራት ይሓታ ኣለዋ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓድሽ ቁጠባዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ከንብር ፕረዚደንት ሊቱወንያ፡ ጊታናስ ናውሰዳ፡ ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት እቲ ሕብረት ጸዊዑ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ከምዚ ዝኣመሰሉ ስግምታት "ኣብ ባህርያት ስርዓት ቤላሩስ ሰፊሕ ጽልዋ ክህልዎም ከም ዝኽእል" ተዛሪቡ።

እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ብእትገብሮ ምጭፍላቕ ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን ቤላሩስ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ እገዳን ምድስካል ሕሳባትን ዝርከቦም እገዳታት ተነቢሩሎም ጸኒሑ እዩ።

ፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ኮምሽን፡ ኡርሳላ ቮን ደር ለየን፡ "ቅጥዒ ዘይብሉን ዘይሕጋውን ባህርያት . . . ሳዕቤናት ክህልዎም እዩ" ኢላ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ "ዘሰንብድ" ተግባር ክኹንኖ እንከሎ፤ ምምሕዳር ጆ ባይደን "ምስ መሻርኽቱ ንዝቕጽል ስጉምቲ የወሃህድ" ምህላው ገሊጹ።