ከንቲባ ዋርሳው፡ ኣብ በረድ ንዝተሸኽለት ኣውቶቡስ ንዝደፍአ ሰብ ንኢዱ

ምንጪ ስእሊ, TVN
ኣብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ፡ ዋርሳው፡ ሓደ ቤላሩሳዊ፡ ንሓንቲ ኣብ በረድ ተሸኺላ ዝነበረት ኣውቶቡስ ደፊኡ ብምውጽኡ፡ ህዝባዊ መጉዓዝያ ብዘይ ክፍሊት ክጥቀም ፍቓድ ተዋሂብዎ።
መደበር ቴለቪዥን ቲቪኤን24፡ ነቲ ብሰንኪ እታ ኣውቶቡስ ተፈጢሩ ዝነበረ ምጭንናቕ ናይ መካይን ኣብቲ ስፍራ ኮይኑ ብቐጥታ እናጸብጸበ እንከሎ፡ ዲሚትሪ ሳሎጉብ ናብታ ኣውቶቡስ ቀሪቡ ክደፍኣ ጀሚሩ።
ነቲ ኩነት ዝጽብጽብ ዝነበረ ጋዜጠኛ'ውን ማይክራፎኑ ሒዙ ተጸምቢርዎ።
ክልቲኦም ነታ ኣውቶቡስ ክትንቀሳቐስ ብምሕጋዞሞ ጋዜጠኛ ፓወል ንዲሚትሪ ኣመስጊኑ ተፋንይዎ።
ከንቲባ ከተማ ዋርሳው፡ ራፋል ትዛስኮውስኪ፡ እቲ ቤላሩሳዊ ስደተኛ ኣብ "ኣጸጋሚ ኩነታት" ብዝገበሮ ኣበርክቶ ኣመስጊንዎ።
እቲ ጋዜጠኛ ንዲሚትሪ ክሕግዞ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ "ንገዛኻ ዲኻ ተሃዊኽካ?" ክብል ሓቲትዎ ነይሩ።
ዲሚትሪ ግና ቋንቋ ፖሊሽ ከም ዘይዛረብ ነጊርዎ። እታ ኣውቶቡስ ምስ ተንቀሳቐሰት፡ እቲ ጋዜጠኛ ስሙ ቅድሚ ምሕታቱ እዩ እቲ ስደተኛ ካብኡ ተኣልዩ።
እቲ ቪድዮ ኣብ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ ግና መንነት እቲ ወዲ 28 ዓመት ብጋዜጠኛታት ቤላሩስ ክልለ ክኢሉ።
ንሱ ነታ ኣውቶቡስ ክደፍእ ከሎ፡ ቪድዮ ይሰኣልን ብቐጥታ ይመሓላለፍን ምንባሩ ይፈልጥ ከም ዘይነበረ ተዛሪቡ።
ንሱ ተሰቒልዋ ዝነበረ ኣውቶቡስ ኣብ ድሕሪት ጠጠው ኢላ ብምንባራ፡ ምኽንያት እቲ ምዕጻው መገዲ ንምርኣይ እዩ ናብ ቅድሚት (ከባቢ ሓደ ኪሎሜተር) ተጓዒዙ።
'ሰባት ኣብ ክንዲ ዝሕግዙ ቪድዮ ይስእሉ'
ዝኾነ ፍሉይ ነገር ከም ዘይገበረ ዝዛረብ ዲሚትሪ፡ ቅድሚኡ ዝኾነ ሰብ ክሕግዝ ብዘይምፍታኑ ከም ዝተገረመ ሓቢሩ።
"ኣብ ዓለምና፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ዝሕግዙ፡ ቪድዮ እዮም ዝስእሉ፤ ኣይርድኣንን እዩ" ኢሉ ንመደበር ቴለቪዥን ቤልሳት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
ኣብ ዋርሳው ኣብ ትምህርትን ኣብ ስራሕን ዝተጸመደ ዲሚትሪ፡ ናብ ቤላሩስ ናይ ምምላስ መደብ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ። እቲ ምኽንያት ድማ ንኣካይዳ እቲ ንቤላሩስ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ስለዝቃወም ምዃኑ ኣብሪሁ።
መራኸቢ ብዙሓን ፖላንድ ንጸበጻብ ጋዜጠኛ ሉካሲክ ተቐባቢለን ኣቃሊሐንኦን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ኣዝዮም ብዙሓት ርእዮምዎን ኣካፊሎምዎን። እቲ ጋዜጠኛ ነቲ ፍጻመ ስለዝሰነደን፡ ነቲ ቤላሩሳዊ ሓገዙ ስለዘበርከተን ብዙሓት ንኢዶምዎ።
ዲሚትሪ ብወገኑ "ኩሉ ሳዕ ሰብ ክትከውንን ንኻልኦት ክትሓስብን ኣሎካ። ሽዑ ኢና ካብ ዓለም ጽቡቕ ክንረክብ እንክእል" ኢሉ።
ብዘይካ'ቲ ን90 መዓልትታት ዝጸንሕ ብከንቲባ ከተማ ዋርሳው ዝተወሃቦ ነጻ ትኬት፡ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዋርሳው'ውን ቋንቋ ፖላንድ ብናጻ ክምሃር ፍቓድ ሂብዎ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







