ሩስያ ንክሊ ኣየር መሻርኽታ ዝኾነት ቤላሩስ ዝሓንገዱ ገለ በረራታት ከልኪላ

መገዲ ኣየር ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መገዲ ኣየር ፈረንሳ ሓሙስን ዓርብን ኣብ መንጎ ሞስኮን ፓሪስን ዝነበሮ በረራታት ሰሪዙ

ሩስያ ብክሊ ኣየር ቤላሩስ ምሕላፍ ንዝሓንገዳ ክልተ መገዲ ኣየራት ኣውሮጳ ናብ ሞስኮ ከይኣትው ከልኪላ።

በዚ ድማ መገዲ ኣየር ፈረንሳን መገዲ ኣየር ኦስትርያን በረራታቶም ክስርሱ ተገዲዶም።

መንግስቲ ቤላሩስ ብክሊ ኣየሩ ትሓልፍ ንዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ራያን ካብ መስመራ ወጻኢ ኣብ ሚንስክ ክትዓልብ ድሕሪ ምስግዳዱ ገለ መገዲ ኣየራት ንክሊ ኣየር ቤላሩስ ምጥቃም ሓንጊደን ኣለዋ።

እታ ነፋሪት ክትዓልብ ድሕሪ ምግዳዳ ሓደ ቤላሩሳዊ ጋዜጠኛን ዓርኩን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ሩስያ ቀንዲ መሻርኽቲ ቤላሩስ ኮይና፡ ንመንግስቲ እታ ኣባል ሶቭየት ሕብረት ነበር ክትተሓጋገዝ ጸኒሓ እያ።

ኣብቲ ድሕሪ ምስግዳድ እታ ነፋሪት ኣብ መንጎ ቤላሩስን ሃገራት ምዕራብን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፡ እዚ ብሩስያ ዝተወስደ ናይ ፈለማ ስጉምቲ እዩ።

ኩሎም እቶም ብቤላሩስ ምሕላፍ ሓንጊዶም ዘለው መገዲ ኣየራት ናብ ሩስያ ከይበሩ ክኽልከሉ ብዛዕባ ምዃኖም ሩስያ ኣየነጸረትን ኣላ።

መገዲ ኣየር ቤላሩስ ብክሊ ኣየራቶም ከይሓለፍ ዝኣገዱ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን፡ ነቲ ን27 ዓመታት ንቤላሩስ ዝመርሐ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ዘተኮረ ካልእ እገዳታት ክስዕብ ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብክሊ ኣየር ኣውሮጳ ከይሓልፍ ዝተኣገደ መገዲ ኣየር ቤላሩስ (ቤላቭያ) ን12 መስመራቱ ክሳዕ 30 ጥቅምቲ ክስርዝ ተገዲዱ ከም ዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

በቲ ምስራዝ ተጸልዩ ዘሎ መስመራት ናብ ኣምስተርዳም፣ ባርሴሎና፣ በርሊን፣ ብራሰልስ፣ ፍራንክፈርት፣ ሃኖቨር፣ ካሊኒንግራድ፣ ሚላን፣ ሙኒክ፣ ሮም፣ ቬናን ዋርሳውን ዝግበር በረራት እዩ።

መገዲ ኣየራት ብክሊ ኣየር ሓንቲ ሃገር ክሓለፋ ዓመታዊ ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ እየን ዝኸፍላ።

ኣብዚ እዋን ግና ብርክት ዝበሉ መገዲ ኣየራት ኣውሮጳ ብቤላሩስ ምሕላፍ ብምቁራጸን፡ እታ ሃገር ነቲ ኣታዊታታ ክትስእኖ እያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኦስትርያ፡ ተግባራት ሩስያ፡ "ፈጺሙ ክትግንዘቦ ዘጸግም" ክብል ገሊጽዎ።

ሚኒስትሪ መጉዓዝያ ፈረንሳ ንማእከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "መትከላት ምፍድዳይ ክኽበር ኣለዎ" ኢሉ።

ብሓሙስ ኣብ ክሊ ኣየር ቤላሩስ፡ ካብ ነፈርቲ መገዲ ኣየራት ቤላሩስን ሩስያን ወጻኢ ሒደት ምንቅስቓሳት ምንባሩ ንበረራታት ዝከታተል መርበብ ፍላይትራዳር24 የርእይ።

መግለጺ ቪድዮ, ጋዜጠኛ ክትኣስር ኢላ ናይ እገዳ መሸንቆቛ ዝሰሓበት ሃገር፡ ቤላሩስ