ሓደ ጋዜጠኛ ንምሓዝ: ኣብ በረራ ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ ተገዲዳ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ራያን ኣብ ቪልንየስ፡ ከምኡውን ኣክቲቪስት ሮማን ፕሮታሰቪች ኣብ 2017

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካብ ግሪክ ናብ ሉቱወኒያ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ ኣብ ቤላሩስ ዓሊባ ንሰዓታት ኣብኡ ክትጸንሕ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።

እታ ነፋሪት ትዓርፈሉ ቦታ ክቕይር ዝተገበረ ካብ ሞንጎ ተጓዓዝቲ ሓደ ንዝነበረ ጋዜጠኛ ንምሓዝ ምዃኑ ተጣበቕቲ መሰላት ሓቢሮም።

በቲ ተግባር ዝተቖጥዓ ሃገራት ኣውሮጳ፡ “ብመንግስቲ ዝተደገፈ ሽበራ” ተፈጽም ኣላ ብዝብል ንቤላሩስ ኮኒነንኣ።

ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ክህሉ ከምዝኽእል’ኳ ስግኣት እንተነበረ ዋላ ሓደ ዝተረኸበ ነገር ግን ኣይነበረን ይብል ጸብጻብ ማዕኸናት ዜና ቤላሩስ።

ኣንፈት ጉዕዞ እታ ነፋሪት ዝተቐየረሉ ምኽንያት ንገያሾ ኣይተሓበሮምን ነይሩ፤ ሓደ ተጓዓዛይ ግን እታ ነፋሪት መገዲ ክትቕይር ከላ ተደላዪ ኣብ ዝነበረ ጋዜጠኛ ፍርሒ ከምዝተዓዘበ ተዛሪቡ።

“ኣብ ገጹ ፍርሒ ይንበብ ነይሩ። ክትሪኦ’ውን ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ነይሩ” ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

ሞኒካ ሲምኬኔ ዝተበሃለት ካልእ ተጓዓዚት ድማ “[ጋዜጠኛ ሮማን] ገጹ ናብ ገያሾ መሊሱ መቕጻዕቲ ሞት ከምዝጽበዮ ተዛሪቡ’ዩ” ኢላ።

ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮቶቪች ምስተትሓዘ ድማ እታ 171 ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ጉዕዞኣ ክትቕጽል ከምዝተገበረ ተፈሊጡ።

ሕብረት ኣውሮጳን ኣባል ሃገራት ኔቶን ኣብቲ ጉዳይ ኢደም ክሓውሱ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ወሃቢ ቓል ዩናይትድ ኪንግደም ዶምኒክ ራብ “እዚ ግቡእ ዘይኮነ ተግባር ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ዝወስድ’ዩ” ኢሉ።

ወናኒ እታ ነፋሪት ዝኾነ ራያንኤይር ኣባላት በረራ ስግኣት ድሕነት ስለዝነበሮም ክትዓልብ ከምዝተገደደትን ዓሊባ ፍተሻ ምስተኻየደ ግን ዋላ ሓደ ዘጠራጥር ነገር ስለዘይተረኸበ መገዳ ክትቕጽል ከምዝተገበረን ሓቢሩ።

ኣብ ቤላሩስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ጁሊ ፊሸር “ኣብታ ነፋሪት ቦምባ ተረኺቡ” ብዝብል ስኑዕ ሓበሬታ እቲ ጋዜጠኛ ምእሳሩ ኮኒና።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ጉዳይ ከምዝዘራረባን ስጉምቲ ከምዝወስዳን ትጽቢት ይግበር።

ቀዳማይ ሚንስትር ፖላንድ ማቲዮዝ ሞራዊከይ “ነፋሪት ምጭዋይ ብመንግስቲ ዝተፈጸመ ሽበራ ስለዝኾነ ክሕተቱ ኣለዎም” ኢሉ።

ወዲ 26 ዓመት ጋዜጠኛ ሮማን ብ2019 ካብ ቤላሩስ ዝወጽአ ኮይኑ ኔክስታ ንዝተበሃለ ማዕኸን ዜና ድማ ኣብ ናይ 2020 ፕረዚደንታዊ መረጻ ቤላሩስ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ቤላሩስ ብድሕሪ ዘካየደቶ መረጻ ነቲ ጋዜጠኛ ከሲሳቶ’ያ። ብተግባር ሽበራ ስለዝተኸሰሰ ድማ ቕጽዓት ሞት ይጽበዮ ምንባሩ ይግለጽ።