ዋና ኣኽባር ሕጊ ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ተቓወምቲ ክሲ መስሪቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋና ኣኽባር ሕጊ ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ተቓወምቲ 'ስልጣን ክሕዙ ፈቲኖም' ዝብል ክሲ መስሪቱ።
እቲ ብዋና ኣኽባር ሕጊ ኣሌክሳንደር ኮንዩክ ዝቐረበ ክሲ፡ "ምስረታን ምንቅስቓሳትን ቤትምኽሪ ልፍንቲ ስልጣን ንምሓዝን ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ንምእታውን ዝዓለመ እዩ" ይብል።
ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሚንስክ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፖሊስ ደው ከብሎ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ እዩ።
እታ ሃገር ብ9 ነሓሰ ምርጫ ኣካዪዳ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ከም ዝተዓወተ እኳ እንተተገለጸ፡ ተቓወምቲ ምጥፍፋእ ድምጺ ከም ዝነበረ ብምግላጽ ነቲ ውጽኢት ኣይተቐበልዎን።
ኣብዚ እዋን ኣብ ጎረቤት ሃገር ሊትዌንያ እትርከብ መራሒት ተቓውሞ ስቬትላና ቲካኖቭስካያ፡ ምስግጋር ስልጣን ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ቤትምኽሪ ልፍንቲ ከም ዝተመስረተን፡ ናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት "ምስ ሰበስልጣን ቤላሩስ ከንዝትይ ክተሓባበሩና ንሓትት" ኢላ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ምኽሪ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ብቪድዮ ዘንበበ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ኮንዩክ "ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካል ምፍጣር ብሕጊ ኣይፍቀድን" ብምባል ዘይሕገመንግስታዊ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ወሲኹ'ውን "ብዙሓት ዜጋታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ካብቲ ቤትምኽሪ የንሳሕቡ ኣለው" ኢሉ።
ውጽኢት እቲ ምርጫ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰልፈኛታት ን10 መዓልትታት ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለው።
እቲ ውጽኢት ብሓያላት ሃገራት'ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን፤ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብሰሉስ ኣብ ልዕሊ ሉካሼንኮ እገዳ ንምግባር ተሰማሚዖም ኣለው።
እቲ ቤትምኽሪ ብረቡዕ ዝተራኸበ ኮይኑ፡ ሰብመዚ ቤላሩስ ነቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምኽሳሶም ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ቤትምኽሪ የንሳሕቡ ከም ዘለው ኣባል እቲ ቤትምኽሪ ዝኾነ ማክዚም ዝናክ ተዛሪቡ።
ነቲ ፕረዚደንት ብምንቃፍ እትፍለጥ ተሸላሚት ኖቤል ዝኾነት ጸሓፊት ስቬትላና ኣሌክዘቪች ግና ኣብቲ ቤትምኽሪ ከም ዘላ ሚስተር ዝናክ ሓቢሩ።
ቲካኖቭስካያ ብቪድዮ ንመራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓለለፈቶ መልእኽቲ፡ እቲ ቤትምኽሪ "ብምይይጥ ሰላማዊ ምስግጋር ናይ ስልጣን" ከም ዝመርሕን ካልእ ኣህጉዊ ማሕበረሰብ ዝከታተሎ ደሞክራስያዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዘካይድን ተዛሪባ።
ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ግና ብረቡዕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮማን ጎሎቭቸንኮ ኣብ መዝነቱ ዘቐጽል ካቢነ መስሪቱ ከም ዘሎ ማእከን ዜና ቱት ጸብጺቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







