ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ ማዕቀብ ደንጊጉ

ምንጪ ስእሊ, NEXTA
ሕብረት ኤውሮጳ ነፋሪት መገዲ ኣየር ቤላሩስ ኣብ ሰማያት ኤውሮጳ ከይትበርር ኣጊዱ።
ሰብ መዚ ቤላሩስ ብሰንበት ንቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት ጽዒና ናብ ሊቱንያ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ቦምባ ኣለዋ ብዝብል ኣብ ሚኒስክ ክትዓልብ ድሕሪ ምግዳድ ነቲ ጋዜጠኛ ድሕሪ ምእሳሮም ሃገራት ምዕራብ ነቲ ተግባር ብትሪ ይኹንንኦ ኣለዋ።
ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝነበረን ኣኼባ ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን መገዲ ኣየር ቤላሩት ኣብ ሰማያት ኤውሮጳ ከይትበርር ብምእጋድ፡ ቐጻሊ ቑጠባዊ ማዕቀባት ክድንግጉ ምዃኖም ኣፍሊጦም።
ወዲ 26 ዓመት ሮማን ፕሮታሰቪች ካብ ግሪኽ ናብ ሉቲኒያ ኣብ ዝነበሮ በረራ ከም ዝተኣጓጎለ ይዝከር።
ሃገራት ምዕራብ እዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ራያናር ዝተፈጸመ "ጭውያ" እዩ ክብላ ኮኒነንኦ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ጋዜጠኛ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሚኒስክ ካብ ዝትሓዝ ንነጀው ጸቕጢ ይበጽሖ ምንባሩ ዘርኢ ምስሊ ወጺኡ ኣሎ።
ኣብቲ ብሰኑይ ዝወጽአ ምስሊ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ቤላሩስ ዘቕረበሉ ክሲ ከም ዝተዛረበ ይሕብር።
ተሓለቕቲ ግን ትሕዝቶ እቲ ዝወጽአ ምስሊ ብምኹናን ጋዜጠኛ ፕሮታሰቪች እቲ ዝቐርበሉ ዘሎ ክሲ ንክቕበል ጸቕጢ ይበጽሖ ኣሎ ይብሉ።
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንተግባር ሰብ መዚ ቤላሩስ "ዘጸይፍ" ብምባል ክገልጾ እንከሎ "ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ናጽነት ፕሬስን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ" ነይሩ'ዩ ኢሉ።
ኣቡኡ ነቲ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ወዱ ምፍርራሕ ክበጽሖ'ዩ ኢሉ ከም ዝሰግእ ተዛሪቡ።
ዲመትሪ ፕሮታሰቪች "ድሓን ክኸውን'ዩ ኢልና ተስፋ ንገብር። ማህረምትን ስቅያትን ክበጽሖ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለና" ኢሉ።
እቲ ኩነታት ከመይ ኣጋጢሙ?
ቤላሩስ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ግሪኽ ኣቴንስ ዝተበገሰት ነፋሪት ንምግዳድ ነፋሪት ውግእ ኤፍኣር4978 ትልእኽ።
እታ ነፋሪት ኣብ ሉቲኒያ ክትዓርፍ መደብ ነይሩዋ።
ቤላሩስ ከኣ፡ ካብ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ መጥቃዕቲ ቦምባ ከይበጽሓኒ፡ ብምባል ነታ ነፋሪት ኣብ ሚኒስክ ክትዓርፍ ገይራ።
ላዕለዋይ ሓላፊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ካብቲ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ዝበሎ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘንበቦ ጽሑፍ "ጠለብና ዘይተማልኡ እንተኾይንኩም እቲ ቦንባ ኣብ ቪልኑስ ክነፈንጅሮ ኢና" ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ጉጅለ ሓማስ ኢድ የብለይን ብምባል ነጺጉዎ።
ብተወሳኺ፡ ሓማስ ካብ ዶባት ፍልስጤምን እስራኤልን ወጻእ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ታሪኽ ኮነ ንምፍጻም ዘኽእሎ ዓቕሚ የብሉን።
ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል'ውን ክሲ ቤላሩስ "ፍጹም ዘይእመን" ክትብል ገሊጻቶ።
ይኹን'ምበር ፖሊስ ካብታ 126 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት ኣውጺኦም ንቤላሩሳዊ ኣክቲቪስት ፕሮታሰቪች ክኣስሩዎ እንከለው፡ ምስ ኣፍቃሪቱ ሶፊያ ሳፔጋ እናሃለወ ምእሳሩ ከም ዘሰንበዶ ተዛሪቡ።
ኣዲኣ ንሶፊያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ጓል 23 ጓላ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሚኒስክ ከም ዝተወሰደትን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዋትሳፕ ኣብ ዝልኣኸትላ መልእኽቲ "ኣደይ" ዝብል ጥራሕ ከም ዝኾነን ገሊጻ።
ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ግን ግልጺ ኣይኮነን።
ቤላሩስ፡ እሱራት ብምቕታል እትፍለጥ ብሕታዊት ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይና፡ ማእሰርቲ እቲ ኣክቲቪስት ዝርኣዩ መሰኻኽር ዓይኒ ተመሳሳሊ ዕጫ ከይገጥሞ ከም ዝሰግኡ ገሊጾም።
ቤላሩስ ብምኽንያት ማእሰርቲ እዚ ውልቀሰብ ሓያሎ ነቐፌታ ክወርዳ እንከሎ፡ ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ናይ ጉዕዞን ንብረትን ማዕቀብ ተገይሩሎም ኣሎ።
ጋዜጠኛ ሮማን ፕሮታሰቪች ብ2019 ካብ ቤላሩስ ወጺኡ ኣብ ስደት ኣብ ሉቲኒያ ዝነብር ኤዲተር 'ንክስታ' ዝተባህለ ማዕከን ሚዲያ እዩ።
ኣብኡ ኮይኑ ብ2020 ዝተኻየደ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ክጽብጽብ እንከሎ፡ ክሲ ግብረ ራዕድን ምንዓብን ቀሪብሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







