ኣሜሪካ፡ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከቡ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሓተትቲ ዑቕባ ክትቅበል እያ

ኣብ ሜክሲካዊት ከተማ ማታሞሮስ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ 12 ለካቲት 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ሓተትቲ ዑቕባ፡ ጉዳዮም ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣሜሪካ ክሳዕ ዝስማዕ ንኣዋርሕ ክጽበዩ ዝጸንሑ እዮም

ምምሕዳር ባይደን ነቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፡ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ዝተገደዱ ሓተትቲ ዑቕባ በብቕሩብ ናብ ኣሜሪካ ክኣትው ምፍቃድ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መስርሕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን በቶም ኣብ ቅድሚት ዝርከቡ 25000 ክጅመር ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።

እቶም ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናብ ኣሜሪካ ናይ ምእታው ፍቓድ ቅድሚ ምርካቦም፡ ክምዝገቡን ንመርመራ ኮቪድ-19 ክሓልፉን የድሊ።

እቲ ተበግሶ፡ ንዝበዝሕ ፖሊሲታት ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝስርዝ እዩ።

እቲ ብትራምፕ ኣብ 2019 ተኣታትዩ ዝነበረ ፖሊሲ፡ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ዝኽልኽል እዩ ነይሩ።

እቶም ብደቡባዊ ዶባት ኣቢሎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ስደተኛታት፡ ጉዳዮም ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ኢሚግረሽን ኣሜሪካ እናተራእየ እንከሎ ኣብ ሜክሲኮ ክጸንሑ ይጠልብ።

ፕረዚደንት ባይደን ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ቀዳማይ መዓልቲ ጀሚሩ ግና ነቲ ፖሊሲ ክውንዘፍ ኣዚዙ ጸኒሑ።

ጸሓፊ ጉዳያት ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣሌጃንድሮ ማዮርካስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ "ውሑስ፡ ስርዓት ዘለዎን ሰብኣውን ናይ ኢሚግረሽን ስርዓት ዳግም ንምህናጽ" ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሽየትድ ፕረስ፡ ምምሕዳር ባይደን ብኽልተ ናይ ዶብ መሳገሪታት እዩ ነቲ መስርሕ ክጅምሮ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ መዓልቲ 300 ሚእቲ ሰብ ዝእንግዱ ኮይኖም ሳልሳይ ውሕድ ዝበለ ቁጽሪ ከእንግድ ዝኽእል መስገሪ'ውን ክህሉ እዩ።

እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ዝቐርቡሉ መዓልቲ ቆጸራ ተነጊሮም ከም ዝፋነው ሰብ መዚ ይገልጹ።

ሚስተር ማያርኮስ ወሲኹ፡ "እቶም እዚ ናይ ፈለማ መስርሕ ዘይምልከቶም ሰባት ክሳዕ ካልእ መምርሒ ዝወሃብ ዶብ ካብ ምስጋር ክቁጠቡ" ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ክሰግሩ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ።

ካብ ዶብ ክፍለሃገር ቴክሳስ ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣብ እትርከብ፡ ሜክሲካዊት ከተማ ማታሞሮስ ኣብ ዝተደኮነ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ ካብ ሳልቫዶር ዝመጸ ሓታቲ ዑቕባ ሳንድራ ኣንድራደ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ስምዒተይ ክገልጽ ዝኽእለሉ ቃላት የብለይን" ኢሉ።

እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝርከቡለን ኣብ ዶባት ዝርከባ ከተማታት ብብዝሒ እናወሰኸ ዝመጸ ገበናት ይሳቐያ ኣለዋ።