ቴክሳስ ብመሰረት ትእዛዝ ትራምፕ፡ ሓደስቲ ስደተኛታት ክትነጽግ'ያ

ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣባል ሪፓብሊካን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ግሬግ ኣቦት፡ ብመሰረት መደብ ዳግመ ምጥያስ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ግዝኣቱ ሓደስቲ ስደተኛታት ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ፡ ቴክሳስ ነቲ ውሳነ ተግባራዊ ዝገበረት ቀዳመይቲ ግዝኣት ክትኸውን'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግዝኣታት ካብቲ ፕሮግራም ከንሳሕባ ዘፍቅድ መዘክር ከቲሙ ነይሩ።

ቴክሳስ ኣብ መስርሕ ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት "ካብ ዝግብኣ ንላዕሊ" ከም ዝሰርሐት፡ እቲ ኣመሓዳሪ ይገልጽ። ትካላት ስደተኛታት ግና ነቲ ውሳነ ኮኒነን ኣለዋ።

ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታት ቴክሳስ፡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ይርከቡ።

ኣብ 2018 ቴክሳስ፡ 1,697 ስደተኛታት ተቐቢላ እያ። እዚ ምስ ካልኦት ግዝኣታት ኣሜሪካ ክወዳደር ከሎ ዝበዝሐ እኳ እንተኾነ፤ ምስቲ ኣብ 2017 ዝተቐበለቶ ቁጽሪ (4,768) ክወዳደር ከሎ ግና፡ ኣዝዩ'ዩ ጎዲሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ ንውሳንኡ ኣመልኪቱ ናብ ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣብቶም ድሮ ኣብ ግዝኣቱ ዘለው ስደተኛታት፡ መጽለሊ ዘይብሎም ሰባትን ኩሎም ነበርቲ ቴክሳስን ኣተኲሩ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ዝተጣየሱ ስደተኛታት፡ ናብ ቴክሳስ ክግዕዙ ምስ ዝደልዩ ግና፡ ከም ዝፍቀደሎም ሚስተር ኣቦት ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና እቶም ስደተኛታት ከም መጽለሊ ዝኣመሰለ፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝወሃብ ኣግልግሎታት ዳግመ ምጥያስ፡ ክረኽቡ ከም ዘይኽእሉ ትካላት ዳግመ ምጥያስ ይገልጻ።

ትራምፕ፡ ቁጽሪ ስደተኛታት ምጉዳል ሓደ ካብ ቀዳምነት ምምሕዳሩ ገይሩ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። በዚ ድማ ኣብ 2020 ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ናብ 18,000 ክጎድል ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 30,000 ስደተኛታት ኣብ ኣሜርካ ተጣይሶም እዮም።