ባይደን፡ ስድራ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቈባን ከይራኸቡ ዝኽልክል ፖሊሲ ክቕየር ኣዚዙ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብምኽንያት ፖሊሲ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስድርኦም ተፈሊዮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ንምርኻብ ዘፍቅዱ ሰለስተ ዓበይቲ ውሳነታት ክመሓሹ፤ ብሰፊሑ'ውን ሕግታት ስደት ክኽለሱ ኣዚዙ።

ፕረዚደንት ዶናልድ፡ ዘይሕጋውያን ሰደተኛታት ንምዕጋት፡ ዶብ ኣመሪካን-ሜክሲኮን ሰጊሮም ዝመጽኡ ዘይተሰነዱ ህጻናት ካብ ኣለይቶም ክፍለዩ ገይሩ'ዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ 600 ክሳብ 700 ዝኾኑ ህጻናት ምስ ስድርኦም ዳግም ክራኸቡ ዝገብር ሓይሊ ዕማም ከቑም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ ኣስታት 5500 ህጻናት ኣብ ዶብ ካብ ስድርኦም ክፍለዩ ከምዝገበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ባይደን ምኽትል ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ ዋላ'ውን ውሑድ እንተኾኑ ብዙሓት ዘይተመዝገቡ ህጻናት ስደተኛታት ካብ ስድርኦም ክፈላለዩ ገይሩ እዩ ብምባል ተሓለቕቲ ይካትዑ።

ሓደ ካብቶም ባይደን መምርሒ ሂቡሎም ዘሎ ጉዳያት፡ ሚኒስትር ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኤሌጃንድሮ ሜየርካስ ዝመርሖ ዳግም ምርኻብ ስድራቤታት ዝከታተል ውሽጣዊ ኤጀንሲ ግብረ ሓይሊ እዩ።

ካልኦት እቶም ትማሊ ባይደን ዝፈረመሎም ጉዳያት ዘይሕጋዊ ስደት ንምጉዳልን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትው ዝኽልክልን ፖሊሲታትን ምስራዝ ፈንድ ወጻኢ ሃገራትን ምምሕዳር ትራምፕ ክኽለስ ኣዚዙ ኣሎ።

"እቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር ብዘይ ዝኾነ ዓይነት መደብ ህጻናት ኣብ ዶብ ካብ ሕቑፊ ስድራቤቶምን ኣዲኦምን ብምፍላይ ዝፈጸሞ ሞራላውን ሃገራውን ሕንከት ክንቅይሮ ኢና፤ እቶም ህጻናት ድማ መሊስና ምስ ስድርኦም ክነራኽቦም ኢና" ክብል ባይደን ኣብ ቤተ መንግስቲ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 11 ሚልዮን ንዝኾኑ ሰነድ ኣልቦ ሰባት ሕጋዊ ኩነታትን ዜግነትን ዝረኽብሉ ሕጋዊ ወጥን ኣቕሪቡ።

ብሚያዚያ 2018 ተግባራዊ ብመሰረት ዝኾነ ፖሊሲ ስደት፡ ዶብ ኣመሪካ -ሜክሲኮ ዝሰግሩ ዘይተሰነዱ ኣባጽሕ ስደተኛታት ገበነኛታት ተባሂሎም ይኽሰሱን ይእሰሩን ነይሮም።

ህጻናት ብገበን ክኽሰሱ ስለ ዘይኽእሉ ድማ፡ ምስ ስድርኦም ክእሰሩ'ውን ስለ ዘይፍቀድ ካብ ኣለይቶም ተፈልዮም ኣብ መጽንሒ ቦታታት ክዕቖቡ ይግበር ነይሩ።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ኣስታት 60 ሽሕ ኣላዪ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ደቡባዊ ዶብ ተኣሲሮም'ዮም።