ማርጆሪ ታይለር ግሪን፡ 'ዴሞክራት ካብ ኣባልነት ክሰጕኒ ይጽዕሩ'ለው'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰልፊ ዴሞክራቲክ፡ ደጋፊት ትራምፕ ንዝኾነት ሓጋጊቲ ሕጊ ኣባል ሪፐብሊካን ካብ ኮንግረንስ ንምልጋስ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ።
ኣባል ሪፐብሊካን ዝኾነት ሕልፍቲ የማናውያን ፖለቲከኛ ማሪጆሪ ታይለር ግሪን "ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መስከረም 9/11 ኾነ ተባሂሉ ዝተፋሕሰ ውዲት እዩ"ኢሎም ካብ ሞንጎ ዝኣምኑ ኣመሪካውያን ሓንቲ'ያ።
ወኪል ግዝኣት ጆርጂያ ዝኾነት ታይለር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓድሽ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ክትኸስስ ትጽዕር ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ "ዴሞክራት ካብ ዝተወከልኩሉ ኮሚቴ እንተድኣ ሰጒጐምኒ ንሕና ኣብ 2022 [ኣብ ቀጻሊ መረጻ ባይቶ] ዓብላሊ ድምጺ ክንረክብ እንከለና ዕጽፊ ገይርና ክንምልስ ኢና" ኢላ ነይራ።
"ዓባላሊ ድምጺ ምርካብና ኣይተርፍን፤ እዚ ክትዝንግዑዎ የብልኩምን" እውን ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ናብ ኮንግረስ ኣመሪካ ዘእትዋ ድምጺ ዝረኸበት ማርጆሪ፡ ኣባል ኮሚቴ በጀትን ትምህርትን ሓይሊ ሰብን ኣባላት ባይቶ ኮይና ተመሪጻ'ያ።
ኣባል እቲ ኮሚቴ ክትኸውን ዝመረጻ ድማ መራሒ ሪፐብሊካን እቲ ባይቶ ኬቪን ማካርቲ ይበሃል።
ኣባላት ዴሞክራቲክ ፓርቲ፡ ስለምንታይ ክኣልዩዋ ይደልዩ?
ኣባላት ዴሞክራቲክ ፓርቲ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾነ ውልቀሰብ ቅድሚ ሕጂ ብዝፈጸሞ ተግባር ኣባል ኮሚቴ ክኸውን ኣይክእልን ኢሎም ይካትዑ።
ብፍላይ ድማ ኣባል ኮሚቴ ትምህርቲ ክኾኑ ድልየት የብሎምን።
ማርጆሪ ግን፡ ደገፍቲ ትራምፕ ዝኾኑ ሪፐንሊካን ካብቲ ኮሚቴ ንምእላይ ዝግበር መስርሕ ብዴቢ ሹልትዝ ይምራሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ "ሪፐብሊካን ክትክኡዋ እንተዘይክኢሎም ንሕና ክንትክኣ ኢና" ኢሉ እያ ትብል።
ማርጆሪ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብቲ ኮሚቴ እንተዘይወጺኣ ግን፡ ኣባለት ዴሞክራት ፓርቲ እዚ ጉዳይ ብናይ ባዕሎም መገዲ ከም ዝውድኡዎ ኣጠንቂቖም ኣለው።
ማርጆሪ፡ሕልፍቲ የማናዊት ኮይና እያ ኢሎም ዝኣምኑ ዴሞክራት ካብቲ ኮሚቴ ጥራሕ ዘይኮነ ካብቲ ኮንግረንስ ክትስጎግ'ዮም ዝጠልቡ።
ኣብ ሰኔት ኣመሪካ መራሒ ትሑት ድምጺ ዘለዎም ሪፐብሊካን ዝኾነ ሚች ማኮኔል እታ ውልቀሰብ እትኣምነሎም ፖለቲካዊ ትንተናታት 'መንሽሮ ሪፐብሊካን ኮይኖም'ዮም' ክብል ነቒፉዋ እዩ።
ብ2019፡ ወኪል ግዝኣት ኣዮዋ እቲ ኮንግረንስ ዝኾነ ሓደ ውልቀሰብ ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ንልዕልነት ጸዓዱ ዘታሕት ርኢይቶ ብምሃቡ ካብ ክልተ ኮሚቴታት ተኣልዩ ነይሩ።
እንተኾነ ሪፐብሊካን ሕጂ'ውን ኣባል እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ማርጆሪ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ድዮም ዝብል ውዱእ ኣይኮነን።
ሓደ ኣባል ኮንግረንስ ሙሉእ ንሙሉእ ካብቲ ኮንግረንስ ንምእላይ ክልተ ሲሶ ድምጺ፡ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ብዝሒ ካብ ኣባልነት ኮንግረንስ ዝተሰጐጉ ሰባት፡ ሓሙሽተ ጥራሕ እዩ።
ማርጆሪ፡ ቀንዲ ደጋፊት ትራምፕ ኮይና፡ 'ኣብ ካሊፎርንያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ኮነ ተባሂሉ ካብ ህዋ ብዝተፈነወ ጨረር ዝተላዕለ'ዩ፣ 'ጸለምቲ ባሮት ሰልፊ ዴሞክራቲክ'ዮም'፣ "ጸዓዱ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ኣመሪካ ከቢድ በደል ይበጽሖም'ዩ" ዝብሉ ርኢይቶታት ብምሃብ ትፍለጥ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







