ኣብ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ 'ዝበርትዐ' ምዃኑ ተገሊጹ

ማስክ ምግባር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል ዘለዎ ተራ ልዑል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብቲ ቀዳማይ "ዝያዳ ዝሐየለ" ምዃኑ ሓላፊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ኬንጋሶንግ ሓቢሩ።

ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ዴይ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብታ ኣህጉር መዓልታዊ 30,000 ሓድሽ መልከፍቲ ይምዝገብ ምህላው ብምግላጽ ኣብ መፋርቕ ሓምለ ግና እቲ ኣሃዝ 18,000 ምንባሩ ተዛሪቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል ጥዕና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ክሳዕ ሕጂ 2,879,193 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለው 68,755 ሞይቶም 2,378,090 ሰባት ድማ ሓውዮም ኣለው።

ከም ርዋንዳ፡ ናሚብያ፡ ዚምባብወን ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝኣመሰላ ሃገራት ንዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ሓድሽ ቀይድታት ኣንቢረን ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን እቲ ኣተኩሮ ክግበሩ ኣብ ዘለዎም ናይ ምክልኻል ስጉምታትን ህዝቢ ካብቲ ለበዳ ክገላገል ሓቢርካ ኣብ ምስራሕን ምዃኑ ሚስተር ኬንጋሶንግ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ኣብታ ኣህጉር ክትንቀሳቐስ ከሎኻ፡ ብዙሓት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይገብሩ ዜጋታት ኢኻ ትርእይ፡ ማሕበራዊ ርሕቐት'ውን ብግቡእ ኣይሕሎን እዩ። እዚ ብዕቱብ ክርአ ዘለዎ ይመስለኒ፤ እቲ ካልኣይ ማዕበል ኣዝዩ ብርቱዕ እዩ" ኢሉ።