ብኮቪድ-19 በረራታት ኣብ ዝነከየሉ 2020፡ ቁጽሪ ብሓደጋ ነፈርቲ ዝሞቱ ሰባት ወሲኹ

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ በረራ ደው ዘበላ ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብምኽንያት ለበዳኮሮናቫይረስ በረራታት ኣብ ዝነከየሉ 2020፡ ብዙሓት ሰባት ብሓደጋ ንግዳዊ ነፈርቲ ከምዝሞቱ ኣማኻሪ ትካል መገዲ ኣየር ገሊጹ።

ኣብ 2019 በዝሒ ኣብ ዝወደቓ ንግዳዊ ነፈርቲ ዝሞቱ ሰባት 257 ዝነበረ እንትኾን፡ ኣብቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ በረራታት ኣዐርዩ ዝቐነሰሉ ዝተወደአ ዓመት 2020 ግና 299 ሰባት ኣብ ሓደጋ ንግዳዊ ነፈርቲ ከምዝሞቱ ደች ኣቬሽን ኮንሱልታንሲ ቱ70 ዝተብሃለ ትካል ኣፍሊጡ።

በዝሒ በረራታት ዝምዝግብ ፍላይት ራዳር 24፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንግዳዊ በረራታት ብ 42 ምኢታዊት ከምዝነከየ ይገልጽ።

ቱ70 ተወቒዓ ኣብ ዝወደቐት ንግዳዊ ነፈሪት ሓዊሱ ዘጋጠመ ሞት ከምዝመዝገበ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብወታሃደራት ኢራን ተወቒዓ ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት ዩክሬን 176 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ኢራን ንቤተሰብ ሕድሕድ ግዳይ፡ 150 ሽሕ ዶላር ክትከፍል ተሊማ ኣላ።

ኣብቲ ዓመት ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ፡ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ፓኪስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ 98 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብ 2019 ዘጋጠመ በዝሒ ሓደጋታት ነፈርቲ 86 ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2020 ግን እቲ በዝሒ ናብ 40 ከምዝወረደ ዝገልጽ ቱ70፡ እቶም ሓሙሽተ ትራሕ ከበድቲ ሓደጋታት ከምዝነበሩ ገሊጹ።

ማእከላይ በዝሒ ከበድቲ ሓደጋታት 2020፡ ምስ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ መጠን ተመሳሳሊ ከምዝኮነ ዝሓበረ እቲ ኣማኻሪ መገዲ ኣየራት፡ ምቁራጽ በረራታት ኣብ ዓቕሚ ኣብረርቲ ዓብዪ ጽልዋ ከምዘለዎ ብምሕባር ስሩዕ ብረራታት ምስተጀመሩ ዓቕሚ ኣብረርቲ ፈታኒ ጉዳይ ክኾን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ንመገዲ ኣየራት እቲ ካብ ሓደጋታት ውሑስ ዓመት 2017 እዩ ነይሩ። ኣብ ንግዳዊ ነፈርቲ ከቢድ ሓደጋ ዘየጓነፈ እንትኾን፡ ኣብ ክልተ ጄታትብዘጋጠመ ሓደጋ 13 ሰባት ሞይቶም እኦም።