ምንጪ ኮቪድ-19 ዝምርምር ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ቻይና ከይኣቱ ተኸልኪሉ

ኣብ ከተማ ዉሃን ግዝኣት ሁቤ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣበጋግሳ ኮቪድ-19 ኣብ ከተማ ዉሃን ዝምርምር ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ቻይና ከይኣቱ ቪዛ ተኸልኪሉ።

ክልተ ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ናብታ ሃገር ጉዕዞ ጀሚሮም ኣናሃለው እዮም ተዓናቒፎም።

እቲ ሓደ፡ ናብ ዓዱ ዝተመልሰ ኮይኑ፤ እቲ ካልኣይ ኣባል ድማ፤ ኣብ ሳልሳይቲ ሃገር ይርከብ።

በቲ ኩነታት ዘይተሓጎሰ ወድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ጸገም ምስ ጉዳይ ቪዛ ዝተኣሳሰር እዩ ይብል።

እቲ ሻቕሎት ህዝቢ ዓለም ኮይኑ ዘሎ ቫይረስ ፈለማ፤ ኣብ መወዳእታ 2019 ኣብ ከተማ ውሃን ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እንታይ ኢሉ?

እቲ ምጽራይ ንክካየድ ምስ መንግስቲ ቻይና ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዝዘርርብ ምስተገብረ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፤ ቻይና ዛጊድ ነቶም ኣባላት እቲ ምጽራይ ዘካይድ ጉጅል ሰብ ሞያ ቪዛ ዘይምሃባ ሕጉስ ከምዘይኮነ ገሊጹ ኣሎ።

ትማሊ ሰሉስ ካብ ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኮይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቻይና እቲ መስርሕ ተቐልጥፎ ከምዘላ እየ ተነጊሩኒ ነይሩ" ክብል ብዝርዝር ኣረዲኡ።

ምስ ገለ ሓለፍቲ መንግስቲ ቻይና ክዘራረበሉ ከምዝቐነየ ዝገለጸ ዶክተር ቴድሮስ፡ እቲ ጉዳይ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ብማሕበሰብ ዓለምን ቀዳምንት ዝወሃቦ ምዃኑ ከምዝገለጸሎም ወሲኹ ተዛሪቡ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣበጋገሳ እቲ ቫይረስን ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝተላበዐሉ ኣጋጣሚን ዘጽንዕ 10 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ንኣዋርሕ ክልእኽ እዩ መዲቡ ነይሩ።

እቲ መርመራ፤ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ከምዝጅመር ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዕላዊ ኮይኑ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ዕዳጋ ንስገአን ዝድለያ እንስሳት ከምዝተኸስተ እዩ ተዘሪቡ።

እንተኾነ፡ ካልኦት ተመራመርቲ እዚ ጌጋ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ምናልባሽ እቲ ቫይረስ ካብ መንካዕ ከምዝመጽአን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስኣን ጸኒሑ ክኸውን ከምዝኽእልን ድማ ይግምቱ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን፡ ብኸመይ ናብ ወዲ ሰብ ክሓልፍ ከምዝከኣለ ግን ሕንቅሕንቅሊተይ ኮይኑዎም ኣሎ።

ኮሮና