ሞባይል ሰሪቕካ ተባሂሉ ዝተኣስረ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ርዋንዳ ነበር

ኣብ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ ቤት ፍርዲ

ኣብ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ንሓላፊ ድሕነት ፕረዚደንት ፖል ካጋሜ ዝነበረ ተኸሳሲ "ብገበን ስርቂ ሞባይል ተሌፎን" ሰለስተ ዓመት ክእሰር ብይን ሂቡ።

እዚ መዓርግ ኮሎኔልነቱ ዝተመንጠለ ቶም ባያባጋምባ፡ ንሃገራዊ ባንዴራ ክብሪ ብዘይምሃብ፣ ብናዕቢን ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ብዝብሉ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፡ ኣቐዲሙ፡ ን15 ዓመታት ተፈሪዱዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ዝርከብ።

እዚ ክሱስ፡ ኣብ 2016፡ እቲ ጉዳዩ ዝረኣየ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣቐዲሙ ን21 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ'ኳ እንተፈረዶ፡ ይግባይ ስለዝበሎ፡ ናብ 15 ዓመት ከምዝጎደለሉ ይግለጽ። ኣብዚ ማእሰርቲ እናሃለወ'ዩ እምበኣር ተወሳኺ ግዜ ማእሰርቲ ተበይንዎ ዘሎ።

ንሱ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንከምልጥ ሞባይል ክጥቀም ውጥን ከምዝነበሮ ቤት ፍርዲ ይገልጽ። ቶም ግን እቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረቡ ኩሎም ክስታት ኮነ ኢልካ ዝተዋደዱ ምዃኑም እዩ ዝሕብር።

እንተኾነ እቲ ዳሕራይ፡ ብሰሉስ ዝተወሃበ ፍርዲ ተወሲኽዎ፡ ብሓፈሻ ን18 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ከሕልፍ'ዩ።

ቶም ባያባጋምባ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንሱ ከምዚ ዝበለ "ብዙሕ ዘይረብሕ ኣቕሓ" ክሰርቕ ዝኽእል ሰብ ዘይምዃኑ ከረድእ ፈቲኑ ነይሩ።

ብተወሳኺ'ውን፡ ዓብዪ ሓዉን ካልእ ሙኩር ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝነበረ ሰብን ካብ ሃገር ወጺኦም ካብ ዝጠፍኡ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ካጋሜ ነቐፌታታት ከስምዕ ከምዝጀመረ'ውን ነቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።

ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት፡ መንግስቲ ርዋንዳ ፈጺሙ ንተቓውሞታት ዘይጻወር ክብሉ ክኸስዎ ከለዉ፤ መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።