ኤችኣይቪ ንምክልኻል ዘኽእል መድሓኒት ኣብ ኣፍሪቃ ክፍተን እዩ

ብመርፍእ ዝውሰድ መድሓኒት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂሰባት ብኤችኣይቪ ንከይትሓዙ ብልዑል ደረጃ ዝከላኸል መድሓኒት ከምዝረኸቡ፡ተመራመርቲ ገሊፆም።

እዚ ኣብ ክልተ ወርሒ ብመርፍእ ዝውሰድ መድሓኒት፡ ካብቶም በብመዓልቱ ዝውሰዱ መድሓኒታት ፀረ-ኤችኣይቪ፡ ብ89 ሚእታዊት ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ዝግበር ዘሎ ፈተነ፡ ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ልዕሊ 3,200 ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ዝኾና ደቂኣንስትዮ፡ ይሳተፋ ኣለዋ።

ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ነዚ ብመርፍእ ዝውሰድ "ካቦትግራቪር" ዝበሃል ፀረ ኤችኣይቪ መድሓኒት፡ ኣድላይ ሓገዝ ገንዘብ ክግበር ፀዊዑ።

እዚ መድሓኒት ዛጊድ፡ ኣብ ዙርያ ኤችኣይቪ ካብ ዝተገበሩ ፈተነታት መድሓኒት ዝበለፀን ኣብቲ ሕማም ለውጢ ዘምፅእን ምዃኑ ተገሊፁ።

ንቫይረስ ኤችኣይቪ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት፡ ምልባዕ እቲ ሕማም ንምክልኻል፡ በብመዓልቱ ከኒና ኣብ ክንዲ ምውሓጥ፡ ነዚ ሓድሽ መድሓኒት ኣብ ነብሲወከፍ ኣርባዕተ ሰሙን ብምውሳድ፡ ነቲ ሕማም ምክልኻል ከምዝከኣል እዩ፡ ነቲ መፅናዕቲ ከካይዱ ዝፀንሑ ተመራመርቲ ዝገልፁ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ሰብሞያ፡ ፀረ ኤችኣይቪ ዝውዕሉ ኣፋውሳት፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዝሕግዝ እዩ።

ብሰንኪ ፍኑው ፆታዊ ርክብን ደም ብምትንካፍን ዝመሓላለፍ ኤችኣይቪ፡ ኣብ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ተለኺፎም፤ ልዕሊ 32 ሚልየን ሰባት ድማ ሞይቶም አለዉ።