ምኽፋት ዩንቨርስቲታት፡ ንተምሃሮ ንምንታይ የስግኦም?

ምንጪ ስእሊ, VW PICS
ተምሃሮ ዩንቨርሲቲታት ኢትዮጵያ፡ ንኣዋርሕ ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም እዮም ጸኒሖም። ካብ ትምህርቲ ምብኳር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰነን ሓምለን ተመሪቖም፡ ኣብ’ዚ እዋን ስራሕ ከናድዩን ፈላማይ መሃየኦም ክቕበሉን ዝነበሮም ተመረቕቲ፡ ግዜ ሓሊፍዎም እዩ።
ተመረቕቲ ተምሃሮ፡ ንኣዋርሕ ሰንፈላል ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 23 ጥቅምቲ ጀሚሩ ትምህርቶም ክጅምሩ ተወሲኑ ኣሎ።
እዞም ተመረቕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ትምህርቶም ወዲኦም ክምረቑ ምዃኖም ድማ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ገሊጹ’ሎ።
እቶም ተምሃሮ ካብ ትምህርቶም ተዓናቒፎም ዝጸንሑ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ። እንተኾነ፡ ሕዚ’ውን ካብ'ዚ ስግኣት ናጻ ኮይኖም ኣይኮኑን ናብ ትምህርቲ ዝምለስ ዘለዉ።
እኳደኣስ፡ ተወሳኺ ስግኣት’ውን ኣለዎም፤ ስግኣት ጸጥታ።
ስግኣት ኮሮናቫይረስ
ኢትዮጵያ፡ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስኣጋጠመ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት እያ ዩንቨርሲቲታት ክትዓጹ ወሲና።
ተምሃራይ ዩንቨርሲቲ ኣምቦ ዝኾነ ሊቀሠራዊቱ ይመር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ተምሃሮ ክጽገሙ ክዕዘብ ጀሚሩ ብምንባሩ፡ ትምህርቲ ብምቁራጹ ኣይሓዘነን፤ እኳደኣስ ሕጉስ ምንባሩ እዩ ዝገልጽ።
ተምሃሪት ዩኒቨርስቲ ኣርባምንጭ ቃልኪዳን ኣባይነህ ግን፡ ምቁራጽ ትምህርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ዩንቨርስቲታት ከጋጥም ንዝነበረ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ደኣ ዓጊቱ ይኸውን እምበር፡ ተምሃሮ ካብ ዩንቨርሲቲ ወጺኦም’ውን ካብ ስግኣት ከምዘየምለጡ እያ ትዛረብ።
ካብ ዩንቨርሲቲ ወጺኣ ናብ ሕብረተሰባ ምስተሓወሰት፡ እቲ ሕብረተሰብ ጥንቃቐታት ከምዘይገብር እያ ተዓዚባ።
በዚ ምኽንያት ኸኣ፡ ካብ ዩንቨርሲቲ ወጺኣ ዝጸንሓትሉ እዋን “ከምዝባኸነ ግዜ” እያ ትቖጽሮ።
ሕዚ፡ ተመረቕቲ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ናብ ትምህርቲ እንትምለሱ’ውን፡ ገና ስግኣት ኮሮናቫይረስ ኣይዘሓለን። ምስ ስግኣቶም እዮም ናብ ትምህርቲ ዝምለስ ዘለዉ።
ትማሊ ረቡዕ ጥራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 6 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፡ 602 ሰባት ድማ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምርመራ ተረጋጊጹ እዩ።
ዛጊት ድማ፡ ልዕሊ 94 ሽሕ ሰባት ብ ኮቪድ-19 ተታሒዞም እዮም።
ስግኣት ጸጥታ
ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ብቐንዱ ንተምሃሮ ዩንቨርሲቲታት ክሃስዮም ይረኣይ። ኣብ ዩንቨርሲቲታት ብዘጋጥም ናዕብን ዕግርግርን፡ ከምኡ ድማ እቶም ዩንቨርሲቲታት ኣብ ዝተተኸሉሎም ከባቢ ዘጋጥም ዘይርግኣት፡ ቀዲሙ ነዞም ተምሃሮ እዩ ዘርክበሎም።
በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ’ታ ሃገር፡ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ብሰንኪ ዓሌቶም ዒላማ ክኾኑ ይረኣዩ።
ብዙሓት ተቐቲሎም፡ ቆሲሎምን፡ ትምህርቶም ራሕሪሖም ናብ ናይ ትውልዲ ከባቢኦም ክምለሱን ተገዲዶም እዮም።
ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣጋጢሙ ዩንቨርስቲታት ቅድሚ ምዕጻወን’ውን፡ ኣብ ዩንቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ብዙሕ ቅልውላው እዩ ዘጋጥም ዝነበረ።
ተምሃራይ ሊቀሰራዊት፡ ዩንቨርሲቲታት ክዕጸዋ እንከለዋ ዝተሓጎሰሉ ተወሳኺ ምኽንያት፡ ስግኣት ጸጥታ ስለዝነበሮ እዩ። ሕዚ’ውን ግን ስግኣቱ ኣይነከየን።
“ትምህርቲ ክዕጾ ከሎ ሕጉስ ነይረ፤ ምኽንያቱ ትምህርቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ብዙሕ ደስ ዘይብሉ ነገራት ስለዝረኣኹ። ዩኒቨርሲቲታት ተመሊሰን ስራሕ ምጅማረን’ውን ደስ ኢሉኒ እዩ። ኮይኑ ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበሩ ናይ ጸጥታ ጸገማት ከይፈታሕና፡ ከይተዘራረብና፡ ሕዚውን ናብ ካልእ ናይ ትምህርቲ ዘበን ምእታው፡ ከም ኩሉ ትምሃራይ የስገኣኒ እዩ” ይብል።
ነዚ ስግኣቱ ምኽንያት ዝኾኖ ድማ፡ እቶም ኣብ ዩንቨርሲቲ ጸገም ጸጥታ ከጋጥም ምኽንያት ዝኾኑ ፖለቲካዊ ጉዳያት ከይተፈትሑ፡ ናብ ትምህርቲ ይምለስ ብምህላዉ እዩ።
“ነቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኩነታት ዝጸልዉዎ ከም ፖለቲከኛታት ኣመሓደርትን ካልኦትን ተዘራሪቦም ኣንፈት ከቐምጡ ኣለዎም ኢለ ስለዝኣምን እዩ።” ኢሉ።
ፖለቲከኛታት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም፡ ፖለቲካዊ ጸገማቶም ተዘይፈቲሖም፡ ኣብ ዩንቨርስቲታት ሰላም ክህሉ ከምዘይክእል ድማ ይኣምን።
እዚ እምነት ግን፡ ናይ ገለ ፖለቲከኛታት’ውን እዩ።
ሰልፊ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)፡ ተምሃሮ ቅድሚ ናብ ዩንቨርሲቲ ምምላሶም፡ ውሕስነቶም ንምሕላውን ጎንጺ ከይፍጠር ንምክልኻልን፡ “ዝምልከቶም ኣካላት” ግደኦም ክጻወቱ ጸዊዑ እዩ።
መራሒ ናይ’ዚ ሰልፍን መምህር ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ዝኾኑ ሙኩር ፖለቲከኛ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ቅድም ክብል ኣብ ዩንቨርሲቲታት ጸገም ጸጥታ ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ሰባት፡ እንታይ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ መንግስቲ ክገልጽ ኣለዎ ይብል።
ፕሮፌሰር፡ ሓደ ኣብነት ኸኣ ይጠቅስ።
“ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝመጻ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ፡ ኣብ ደምቢ ዶሎ (ኦሮሚያ) ተጨውየን ተባሂሉ ይውጋዕ ነይሩ። ሕዚ’ውን ካብ’ዚ ክልል ተምሃሮ ናብ’ቲ ከባቢ ከይከዱ ይሰግኡ። ካብ ኦሮሚያ ናብ ኣምሓራ’ውን ከምኡ” ይብል።
ፕሮፌሰር መረራ ከምዝብሎ፡ መንግስቲ ኣብ ዩንቨርስቲታት ጸገም ጸጥታ ከየጋጥም እንታይ ምድላዋት ከምዝገበረ ክገልጽ ኣለዎ በሃሊ እዩ።
ወሲኹ ድማ፡ ሎሚ ዓመት መረጻ ዝካየደሉ እዋን’ውን ምስ ምዃኑ፡ ረስኒ ፖለቲካ ስለዝሕይል፡ መንግስቲ ብኣጋ ክሓስበሉ ይግባእ ይብል።
መንግስቲ ብወገኑ፡ ሰላም ዩንቨርሲቲታት ንምውሓስ ምስ ፖሊስ ፌደራል ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ’ሎ።
ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ደቻሳ ጉርሙ፡ ኣብ ዩንቨርሲቲ ዘጋጥም ናይ ጸጥታ ጸገም ልዕሊ ዓቕሚ ናይቶም ትካላት ስለዝኾነ፡ ምስ ፖሊስ ፌደራል ክሰርሑ ምዃኖም ይገልጽ።
“ኣድላዪ ኣብ ዝኸነሉሓገዝ ክገብሩ እዮም፡ ኣድላዪ ኣብ ዘይኮነሉ ኸኣ ናብ ስሩዕ ዕማሞም ይምለሱ” ኢሉ።
ኣብ መካበብያ ዩኒቨርሲቲታት ናይ ሓለዋ ካሜራታት ክህልዉ ትልሚ ከምዘሎ’ውን ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







