ተመራቖ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ 'ኣብ ክልተ ወርሒ ተማሂሮም ክምረቑ እዮም'

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Science and Higher Education FB Page
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ኣቋሪጾም ዝጸንሑ ዩኒቨርሲቲታት ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ተመረቕቲ ተምሃሮ ንምቕባል ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ኣፍሊጡ።
ዩንቨርሲቲታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ እዮም ነዚ ውሳነ ወሲኖም።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይ'ቲ ሚኒስትሪ ደቻሳ ጉርሙ፡ እቶም ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ ክኣትዉን፡ ኣብ 2 ወርሒ ትምህርቶም ክዛዝሙን ከምዝተወሰነ፡ ናይቲ ለበዳ ኩነታት ተራእዩ ድማ ዕጫ ናይቶም ካልኦት ተምሃሮ ከምዝውሰን ሓቢሩ።
ኩሎም ዩኒቨርሲቲታት፡ ካብ ጥቅምቲ 23 ክሳብ 30 /2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ቀዳማይ ዙርያ ተምሃሮ ከምዝቕበሉ’ውን ተጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ትምህቲ ከምዝተቛረጸ ዝዝከር እዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ዶ/ር ሓሰበን የሱፍ፡ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ንተመረቕቲ ተምሃሮ ጻውዒት ክገብር ምዃኑ ተዛሪቡ።
ዩኒቨርሲታት ሃሮማያን መደወላቡን ብተመሳሳሊ፡ ናይቲ ሕማም ዝርገሐ ንምቁጽጻር ኣድላይ ጥንቃቐታት ክግበር ምዃኑን፡ ተመረቕቲ ተመሃሮ ንምቕባል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎን ተዛሪቦም።
ቅድሚ እቲ ለበዳ ምእታዉ፡ ብሰንኪ ጎንጽታትን ሰላም ምስኣንን፡ ኣብ ገለ ዩኒቨርሲታት ትምህርቶም ብዛዕባ ዘቋረጹ ተምሃሮ ድማ ሕቶ ይለዓል ኣሎ።
ንኣብነት፡ ኣብ ክልል ኦሮምያን ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት፡ ገለ ተምሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ነናብ መንበሪ ገዘኦም ምምላሶም ዝዝከር እዩ።
ካብቶም ተምሃሮ ገሊኦም ተመሊሶም እኳ ናብ ዩንቨርሲቲ እንተኣተዉ፡ ውሑዳት ስግኣት ዝነበሮም ግን ብኡ ተሪፎም እዮም።
መብዛሕተኦም ፈላማይ መንፈቕ ትምህቲ ከይዛዘሙ ብምውጸኦምን 'ዊዝድረዋል ፎርም' ከይመልኡ ብምኻዶምን ብኸመይ ከምዝረአዩ ዛጊድ ሚኒስተር ትምህርቲ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዘየለ ዶ/ር ሓሰን ተዛሪቡ።
ርክበ ህዝቢ ዩኒቨርስቲ መደወላቡ ዶ/ር ፈለቀ ረጋሳ ግን፡ ብሰንኪ ጎንጽታት፡ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ዝነበሩ ተምሃሮ 75 ሚኢታዊ ናብ ትምህርቶም ከምዝተመለሱ ተዛሪቡ።
ኣብ ልዕሊ እቶም መጸዋዕታ ተገይሩሎም ከይተመለሱ ዝተረፉ ተምሃሮ ድማ፡ 'ሴኔት' ብሕጊ መሰረት ከምዝውስን ይዛረብ።
ንዐኦም ንበይኖም ተባሂሉ ዝወጽእ ዝተፈለየ ሕጊ ኣይህሉን ድማ ኢሉ።
ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን አቶ ደቻሳ ጉርሙ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዛዕባ እዚ ዛጊድ ዝበሎ ነገር ከምዘየለን “በቲ ሕጊ ግና፡ ክተኣናገዱ ኣይክእሉን” ኢሉ።
ብዝሒ ናይቶም ተምሃሮ ተራእዩ፡ ውሳነ ከምዝወሃቦን፡ ይኹን’ምበር ካብ ሓደ ክልል ናብ ካልእ ክልል ኣይከድን ዝብል ተምሃራይ "ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







