ኣብ ኢትዮጵያ ‘30 ምኢታዊት ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን’

ምንጪ ስእሊ, ullstein bild
ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ንኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሰኑይ ብኽፋል ተጀሚሩ’ሎ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘማልኣ 30 ሚኢታዊት ዝኾና ኣብያተ ትምህርቲ ናይ’ታ ሃገር ተምሃሮአን ተቐቢለን ክምህራ ከም ዝጀመራ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ንዝወስዱ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ዝምህራ 98 ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምምሃር ከም ዝጀመራ ተገሊጹ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ገብረመስቀል ካሕሳይ (ዶ/ር)፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ 25 ተምሃሮ ጥራይ ይመሃሩ ምህላዎም ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ከም’ቲ ንኻልኦት ክልላት ዝተዋህበ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዘይበጽሖም እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።
ኮይኑ ግና፡ ትካል ትእምት ንተምሃሮ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣቕሪቡልና ኢሎም።
ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን’ውን ብተመሳሳሊ ትምህርቲ ብኽፋል ጀሚሩ’ሎ።
ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ 20 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዝተቐበለን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ የከፋፍል ምህላዉን ገሊጹ’ሎ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተልኣኸሎም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን መብዛሕትኡ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፋፊሉ እዩ ኢሉ።
ተምሃሮ ርሕቐቶም ክሕልዉ ተባሂሉ፡ ኣብ ሓደ ወንበር ሓደ ተምሃራይ ጥራይ ኮፍ ክብል ከም ዝተገበረ’ውን ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







